ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ 24 ሓምለ “በአማራ ክልል ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ በቃብትያ ሁመራ ወረዳ ዘርባቢት ቀበሌ የጠጠር መንገድ ተመርቆ ለአገልግሎት ክፍት ሆኗል’ ዝብል ዜና ሰሪሖም ቃፍታ ሑመራ ልክዕ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሮም ብምቕራብ ብቅሉዕ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ዝተመልኦን ንውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፃባእን ተንኳሳይ ዜና ሐዚ እውን ሒዞም ወፂኦም ኣለዉ።
ብምዃኑ ድማ ቃፍታ ሑመራ በሕግን ብታሪክን ኣካል ግዝኣት ትግራይ እናሃለወ ኮነ ተባሂሉ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሮም ትርኽት ንምፍጣር ናይ ዝሓለፈ ከይኣክል መቐፀልታ እቲ ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ንምርጓድ እዩ።
እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ እውን ብቐጥታ ዝፃባእን ተቐባልነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ብህፁፅ እርምቲ ክውሰደሉ ኣለዎ።
ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ካብ ዘቕርብዎም ሓላፍነት ዝጎደሎም ናይ ኽልታኡ ክልል ህዝብታት ንዘመናት ሓቢርኻ ናይ ምንባር ስኒት ዝሽርሽርን ብቀጥታ ንኻሊእ ጎንፂ ዝዕድምን ተንኳዋይ ስራሕ ብህፁፅ ክእርሞን ኣብ ልዕሊ ነዚ ዜና ዘዳለዉን ነዚ መደብ ዘመቻቸዉን ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን እናሓበርና መንግስቲ ፌዴሪኢ እውን ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ዝፍፅሙ ትካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ንክወስደሎም ንፅውዕ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
28 ሓምለ 2017 ዓ/ም
መቐለ
