Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ከም ዝፍለጥ ኣካላት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ምስ መላእ ህዝቦም ብምትሕብባር ሰፊሕ ርብርብ እናገበሩ ይርከቡ። ህዝብና ንዘሎ ጉድለታት ብሃናፃይ ነቐፌታ እናኣረመ፣ ንዝተባብዑ ስራሕትና ድማ ኣፍልጦ እናሃበ ንዝገብረልና ዘሎ ደገፍ ልዑል ምስግናን ኣድናቖትን ነቕርብ። ኣብዚ ሐዚ ሰዓት መሓውራት ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ተዋዲዶምን ተናቢቦም ይሰርሑ ብምህላዎም ኩነታት ፀጥታ ትግራይና ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓሸ ለውጢ ክረአ እዩ ዝብል እምነት ኣለና።

ኣብ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ብሓፈሻ ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብ ጉሕለት ሓፂነ መፂን ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ድማ ብፍላይ ከም መበገሲ ወሲድና ኣብ ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ውራ ወርቂ፣መኣድንን መሬትን፤ ክትራ፣ስርቂ፣ ጭውያ፣ዝውውር ሰባትን ካልኦት ተዛመድቲ ገበናትን እውን ስርዓት ናይ ምትሓዝ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ዘባህረሮም ዘይሕጋውያን ኣካላት ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዙዎ ይፍትኑ ኣለዉ። መሓውር ፀጥታ ትግራይ ጉዳይ ምርግጋፅ ልዕነት ሕግን ምውሓስ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ ውራዩ ዝገበረ ክነሱ ብናይ ብዕራይ ወለደ ሓሶት ስሙ ንምጥፋእ፤ስብእንኡ ንምውራድ፤ንህዝቢ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ንምርኻስ፣ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምርግጋፅ ክስኮን፣ኣሰላልፍኡ ክቅይር ዘግብር ናይ ሓሶትን ፀለመን ወፍሪ ማሕበራዊ ሚድያ ንርኢ ኣለና ።

እዚ ናይ ፀለመ ወፍሪ እዙይ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምሕላይ ዝብገስ ዘይኮነስ ካብ ኮሓሎ መሲለን መንቆሮ ዝዓይነቱ ክፍኣት ዝብገስ ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝእለም ዘሎ ሽርሒ ምዃኑ ተረዲእና ኣለና።

እዞም ሓይልታት እዚኦም ተደጋጋሚ ዓቕምን ተኽእሎን ትግራይ ንምምካኽ ኣብቲ ቁልፊ ዋሕስ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ፀጥታ ሓይልና ንመንነቱን ባህሪኡን ፍፁም ዘይገልፅዎ ኮነ ተባሂሉ ሽማሽም ክዋሃቦን ክፅለምን ብዙሕ ፅዒሮም እዮም።ባህጎም ድኽምቲ ትግራይ ምርኣይን ንሶምን ላኣኽቶምን ዝዕንድሩላ ክትከውንን ምግባር እዩ።እዙይ ድማ ፍፁም ኣይኸውንን።.

ነዊሕ ግዘ ተዓጊስና ፀኒሕና ኢና ፣ካብዙይ ንደሓር ግን ኩሉ ብሕግን ስርዓትን መልክዕ ክሕዝ ናይ ምግባር ከይዲ ኣጠናኺርና ክንከደሉ ኢና። ከምቲ እቶም ልኡኻት ፀላእትና ዝሓልምዎ ዓርሲ ብዓርሱ ዝታኾስ መሓውር ፀጥታ ኣብ ትግራይ የለን። ምኽንያቱ ንዘመናት ኣፈላላያቱ ብስልጡን መንገዲ ዝፈትሕ ሕብረተሰብ ዝፈጠሮ መሓውር ዩ መሓውር ፀጥታና።

ስለ ዝኾነ መሓውር ፀጥታ ትግራይ እንትርፊ ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ትግራይ ወፃኢ ካሊእ ውራይ ስለ ዘይብሉ ከም ትፅቢትን ባህግን ህዝብና ዝከኣለና ኩሉ ንምግባር ተዳሊና ምህላውና ክነፍልጥ ንፎቱ።

ሐዚ ውን ህዝብና ሒዝና ሕግን ሕጋውነትን ኣብ ምስፋን ብልዑል ሓላፍነታዊ ስምዒትን ቁርፀኝነትን ግቡእና ምፍፃም ኣጠናኺርና ከም እንቕፅለሉ እናሓበርና ኩሉ ደላዪ ሰላምን ልዕልነት ሕግን ሓቢሩና ክሰርሕ ፃውዒትና ነቕርብ!!

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና!!

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

12 ሓምለ 2016 ዓ/ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *