እዋናዊ መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገረ ሱዳን ክልል ከሰላ 54 ወገናትና ተኣሲሮም ምንባሮም ይፍለጥ ።
መእሰሪ ምኽንያት ወገናትና መንበሪ ፍቓድ ብዘይምሕዳሶም ኮይኑ : እታ ሃገር ብዘለቶ ወድዓዊ ኩነታት ምኽንያት ንኽሐድሱ ዘኽእል ምዕሩይ ግዜ ብዘይምርካቦም እዩ ።
ሕጋዊ ነበርቲ ምዃኖም ተሓሳቢ ብምግባር ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝተገበረ ምርድዳእ ብነፃ ክፍትሑ ተጌሩ ኣሎ ።
በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ኮይንኩም ለይትን ቀትርን እንዳደወልኩም ትሕግዙናን ትካታተሉናን ንዝነበርኩም ኩሉኹም ተጋሩን ፈተዉቲ ተጋሩን ብልዑል ክብሪ ነመስግን ።
ኣብ ማዓስከራት ዝነብር ህዝብና እኹል መግቢ ብዘይምርካቡ ንስራሕ ክብል ብፍቓድ ወረቐት ናብ ከተማታት ሱዳን ከምዝንቀሳቐስ ይፍለጥ ።
ይኹን እምበር እታ ፍቓድ ወረቐት በብእዋኑ ከሕድሱ ከምዝግባእ እንዳሓበርና ዝኾነ ይኹን ነባሪ ማዓስከር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ክቑጠብ ንላቦ።
ኣብ መላእ ከተማታት ሱዳን እትነብሩ ተጋሩ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብኣመራርሓ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ንዝዋህቡ መምርሕታትን ምኽርታትን በብእዋኑ እናተኸታተልኩም ተግባራዊ ክትገብሩ ድማ በዙይ ኣጋጣሚ ክነተሓሳስብ ንፎቱ ።
ነዚ ኣጋጢሙ ዝነበረ ማእሰርቲ ወገናትና ኣንፈቱ ከይስሕትን ዝምድና ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ትግራይን ሱዳንን ከይዘርግን ብሓላፍነት ክትኣሊዎ ዝፀናሕኹም ሚዲያታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾንኩም ተጋሩን ድማ ኣድናቖትና ክንገልፅ ንፎቱ ።
ብኣንፃሩ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ኣማራርሓ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ሓበሬታ ከይሓተቱን ከይኣረጋገፁን እንተስ ብገርሆም ወይ ብጉርሖም ዝምድና ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ብዘበላሹን ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ብዘዉድቕን ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ዜናታት እናሰርሑ ዝቐነዩ ዉልቀ ሚዲያታት፣ ዩቲበራትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ንዝፈፀሙዎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ኣጥቢቑ ይነቅፍ ።
ኣብ ሱዳን ዝርከብ ትግራዋይ ኣብ ፅላል ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ዝተወደበ ብምዃኑ ዝኾነ ሚዲያ ዝጠለለ ሓበሬታ ካብ ኣመራርሓ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ክረክብ ከምዝኽእል ድማ ነዘኻኽር ።
ዝምድና ህዝብታት ሱዳንን ትግራይን ይለምልም !!!
ማሕበር ተጋሩ ሱዳን
ገዳሪፍ
7/5/2024
