ደርሆስያ ብመዓንጣ ደቃ ትፃወት
ምስላ ወለዲ ትግራይ
ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ትግራይ በመስዋእነቱን ዕውት መኸተኡን ግሁድ ንዝገበሮ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ብትዕግስትን ውሕሉልነትን ፃዕሪ ኣብምግባር ዝርከበሉ እዋን ኢና ዘለና።
ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል መስዋእትነት ብምኽፋል ናይ ባዕሉን ካልኦት ኣሕዋተይ ዝብሎም ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን መሰል ዓርሰ ዉሳነ ኣብምኽባር ብዝነብሮ መሪሕ እጃም ሕዱር ቂም ዝሓዙ ደመኛታት ፀላአቱ ብልፍንቲ ንዝኸፈትሉ ወራር ፅንተት መኪቱ ንፅላእቱ ኣገዲዱ ናብ ሰደቃ ሰላም ንኽመፁ ብምግባር ውዕል ፕሮቶሪያ ክፍረም ገይሩ እዩ፡
ኾይኑ ግና እዞም ደመኛታት ፀላእቱ ብጥይት ክሳኸዐሎም ዘይከኣለ ፅንተት፣ በዘይ ጥይት ንምስኻዕ ውዕል ፕሪቶሪያ ንኸይትግበር ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ብምፍሓስን ናይ ሓሶት ወረታት ብምግዋሕን ዕጥይጥይ ኣብ ምባል ይርከቡ ኣለው። ካብቲ ሽርሕታቶምን ናይ ሓሶት ወረታቶምን ብውሕዱ ንምጥቃስ፣ ብኣፈኛታቶም ኣቢሎም ዝነዝሕዎ፣ ንውዕል ፕሪቶሪያ ዝንቡዕ ትርጉም ምሃብ፣ መራሕቲ ህወሓትን መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን ንዂናት ይዳለው ኣለው ዝብል ወረ ምንዛሕ፣ ዝበዝሕ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ እዩ ምባል፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኢዲሞክራሲያዊ ስርዓት ይሳቐ ኣሎ ወዘተ፣ ዝብሉ ይርከብዎም። እዚ ኣበሃህላታት እዚ ካብቶም ንህዝቢ ትግራይ ብኣካል ንምፅናት ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ዝፈተኑ ደመኛታት ፀላእቲ ምምፅኡ ዘገርም ኣይኸውንን፣ እቲ ዘገርምን ዘስደምምን ግና እዚ ኣበሃህላታትን ፀለመን እዚ ካእብቶም ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ዝወፁ ሓለይቲ ኢና በሃልቲ ደቂ ህዝቢ ትግራይ ምምፅኡ እዩ።
ከምቲ ኣብላዕሊ ዝተጥቕሰ ናይዚ ዘለናሉ እዋን ጭቡጥን ብቐዳማይ ብርኪ ዝስራዕ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ከይተሽራረፈ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር እዩ። ናይ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምትግባር ማለት፣ ብውሕዱ፣ ናይ ትግራይ ህገ መንግስታዊ ዶብ ምኽባር፣ ናይ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ምምላስ፣ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ተጠቒሙ ናይ ባዕሉ ሕጋዊ መንግስቲ ምምስራት፣ ኣብ ብርኪ ፌደራል ክህልዎ ዝግባእ ግቡእ ቦታ ምርካብ ማለት እዩ።
ብተፃራሪ እዞም ከመዮ ወለዲ “ደርሆስያ ብመዓንጣ ደቃ ትፃወት” ዝብልዎ ብህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝፃወቱ ፣ ንዘየለ ፀገም ዘየለ መፍትሒ ኣለና ዝብሉ ፣ ብትውልዲ ደቂ ትግራይ ብተግባር ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ብስም ናይ ፖለቲካን ናይ ምሁራትን ውዳበታት ውጥም ቅልቅል እንትብሉ ንርኢ ኣለና።
ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝፈረምክዎ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ይተግበረለይ እዩ ዝብል ዘሎ እምበር ኲናት ክኸፍት እየ ኣይበለን፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ተተግቢሩ ቀልጢፈ ናብ ስሩዕ ናብራይ ክምለስ እዩ ዝብል ዘሎ እምበር ኣየናይ ንብረተይ ክሽይጥ ኣማኽሩኒ ኣይብልን ዘሎ፣ ዝተመዛበለ ወገነይ ናብ መረበቱ ይመለስ፣ ዝተበደላን ዝተገፍዓን ኣዴታተይን ኣሓተይን ደቀይን ፍትሒ ይርከባ ይከሓሳ እዩ ዝብል ዘሎ እምበር፣ ልምዓታዊ ዶ ሊበራል ስርዓት ይሕሸኒ ሓብሩኒ፣ ካሕሳ ዝወሃቦም ልሂቃን መነመን ምዃኖም ተወከሱኒ ኣይኮነን ዝብል ዘሎ።
እዞም ምስ እዋናዊ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ዘይዛመድ መፅናዕትን ጭርሖን ተሓንጊጦም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለው ኩሎም፣ ዝገብርዎ ዘለው ተግባራትን ምንቅስቓሳትን ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ንሓድነትን ሕጋውነትን ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ይገብርዎ ንዘለው ሽርሒን መሰሪ ተግባራትን ዘደፋፍርን ዝሕግዝን ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዕድመ ልኽዖም ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ትኽስ ዘይበሉ፣ ብመስትንክራዊ ጥበብን ጅግንነትን፣ ጀጋኑ ፈጢሮምን መሪሖምን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዘውሓሱ፣ ተጋደልቲ ሰለስተ ወለዶ ዝኾኑ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ፀለመን ኣሉታዊ ዘመተን ብፅኑዕ ንኹንኖ፥ ደው ንኽብል ድማ ንፅውዕ።
ብመንፅሩ ድማ እዞም ኣብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ኣሉታዊ ታራ ዝፃወቱ ዘለው ኩሎም ካብ ጌግኦም ተኣሪሞም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንኽስለፉን፣ ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእትነቱ ንዝረኸቦ ውዕል ፕሪቶሪያ ተግባራዊነት ሓጋዛይ ታራ ንኽፃወቱን ፃዊዕትና ነቕርብ።
ኣብ መወዳእታ፣ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ንሲቪላዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ዘለዎ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን እናገለፀ፣ ህዝቢ ትግራይ ባህጉን ደሌቱን ንምስኻዕ ኣብዝገብሮ ቃልሲን ፃዕርን ከየማትአ ብፅንዓት ኣብ ጎኑ ከምዝስለፍ ደጊሙ ደጋጊሙ ከረጋግፅ ይፈቱ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ
March 7, 2024
ዋሽንግቶን ዲሲ
