ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ኣጠቓላሊ ኩነታት ውድብናን ትግራይን ኣድሂቡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካየደ እንትኸውን፤ ኣብ ዝርዝር ዛዕባታት ተመያይጡ፣ ኣብ ሙሉእ ምትእምማንን ምርድዳእን ተደሪኹ፣ ቀፃሊ ኣንፈታት ኣነፅሩ፣ ውድባዊ ቅዋምን ውሳነን ብምትሕልላፍ ኣኼብኡ ዛዚሙ ኣሎ።
ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝፀንሐ ጄኖሳይዳዊ ኲናትን ልፍንታዊ ወራርን ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ልዝብን ሕግን ንምፍታሕ ከም ውድብ ዝወሰድናዮ መርገፂ፤ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ሕቶ ህልውናን ድሕንነትን ኮነ ምርግጋፅ መሰላቱን ረብሓታቱን ኣብ ርትዓዊ መትከላት ዝተሰረተ፣ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘለዎ ስለ ዝኾነ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከም ዝዕወት ካብ ዘለና ፅኑዕ እምነት ዝብገስ እዩ። ከም ውፅኢቱ ዛጊድ ዘለዉ ፍፃመታትን ምዕባለታትን ስምምዕ ፕሪቶሪያ፥ ተስፋ ዝህቡ እዮም። ሳላ ፅንዓትን ሓድነትን፣ ቃልስን መስዋእትን ህዝብና ዝኣተናዮ መድረኽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምጥንኻርን ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ብምእላይን፤ ህዝብና ውሑስ ሰላም ክረክብ፣ ናብ ንቡር ህይወትን ሕውየትን ክምለስ እንገብሮ ኣብ ዘለና ቃልሲ፥ ኣብ መኸተ ዝነበረና ስጡም ሓድነት ብምብራኽ ንቕድሚት ከም እንግስግስ ዘጠራጥር ነገር ከም ዘየለ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘትዩን ኣረጋጊፁን ኣሎ።
እንተኾነ ግና ካብ ደማዊ ኲናት ወፂእና፣ ናብ መስርሕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣቲና፣ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምቅርራብ እወንታዊ ጉዕዞ ኣብ ዝጀመርናሉ ኩነታት እናሃለና ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 ዓ.ም ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ህወሓት ክስረዝ ብምግባር፤ ኣመራርሓ ህወሓት ብሽም ውድብ ከይንንቀሳቐስን ሃፍትን ንብረትን ውድብና ክውረስን ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ውሳነ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒሩ ንዝተጀመረ ጉዕዞ ሰላም ኣብ ክንዲ ምድጋፍ፣ ኣብ ሕሉፍ መርገፂኡ ጠጠው ኢሉ፣ ዕንቅፋት መስርሕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተረጋገፀ ኣፍልጦ ውድብና፣ ብቴክኒካውን ኣሉታዊ ኣተረጓጉማ ሕግን ተቐባልነት ክስእን ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ውሳነ ነቲ ስምምዕ ዝፃባእን ቅንዕና ዝጎደሎን ስለ ዝኾነ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብፅኑዕ ይቃዎሞ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ እዚ ስሕተት ንምእራም ዝተጀምረ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ቃልሲ ናብ መወዳእቱ ንምብፃሕ ከም ዝቃለስ የረጋግፅ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘለዉ እወንታዊ ምዕባለታት ብምጥንኻር ናብ ውሑስ ሰላም ንምእታው ኣብ ዝግበር ቃልሲ ውድብና መሪሕ ግድኡ ከም ዝፍፅም ብምርግጋፅ፤ ንስምምዕ ሰላም ዘይተቐበሉ ሓይልታት ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ብምውፃእ፥ ዝተረገፀ ህዝብና ሓራ ክወፅእን ተመዛበልቲ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱን መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ክፍፅም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃውዒቱ እናቕረበ ንተግባራውነቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሩ ክሰርሕ እዩ።
ህዝብና፥ ካብ ድኽነት ንምውፃእን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ንምርግጋፅን ን27 ዓመታት ዘካየዶ ፃዕሪ ዓበይቲ ዓወታት ኣምዝጊቡ እኳ እንተነበረ፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ/ሰለስተ ዓመታት ሃፍቱን ንብረቱን ብትሉም መንገዲ ዓንዩ፣ ተወሪሩን ካብ መረበቱ ተፈናቒሉን፤ ኣብ ሕሱም ድኽነት ብምውዳቑ ተፀባዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ እዩ። ብጥሜት ዝመውት ህዝብና ንምውሓስ፤ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ክኣቱ ጀሚሩ ዝነበረ ውሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ብግዚያውነት ደው ክብል ዝተውሃበ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ብሰንኪ ኲናትን ምምዝባልን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ዝተበየነ ተደራቢ ቅፅዓት ሞት እምበር፥ ንጥፍኣተኛታት ዝቐፅዕ ኣይኮነን። ስለዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሩሮም ዝተፈፀሙ ጥፍኣታት ንምፅራይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ክዕወቱ፤ ውድብና ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣቢሉ ኩለመዳያዊ ደገፍ ከም ዝገብር የረጋግፅ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ ትካላት ግብረ-ሰናይን መንግስቲ ፌዴራልን ‘ውን ውሳነ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ብከቢድ ጥሜትን ፀገምን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ከምፅኦ ዝኽእል ዘይምለስ ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው ብቕልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ፤ ህወሓት ፃውዒቱ የቕርብ።
ህዝብና ንዝተረኸበ ሃውህው ሰላም ተጠቒሙ ክረምታዊ ማእቶቱ ብምድንፋዕ ካብ ሕሱም ፀገም ክወፅእን ሰላሙን ፀጥትኡን ከኽብርን ኣብ ምርብራብ ይርከብ። ነዚ ኩለመዳያዊ ፀገማት ህዝብና ብቐደም ሰዓብ ንምፍታሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ንኽዕወቱ ውድብና መላእ ኣባላቱን ህዝብን ብምንቕናቕ ዝልዓለ ቃልሲ ብምክያድ ግቡኡ ብብቕዓት ከም ዝፍፅም የረጋግፅ። ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘለናሉ መድረኽ ቃልሲ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸን ውሕሉል ናይ ቃልሲ ጥበብ ዝጠልብን ምዃኑ ብስፍሓት ዝዘተየሉ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ውድብና ህወሓት ኣብዚ ቃልሲ እዚ ‘ውን ከም ወትሩ ከም ወርቂ ኣብ ሓዊ ተፈቲኑ፣ ንመድረኻዊ ዕማሙ በቒዑ፣ ህዝብና ናብ ዘሐሸ ሂወት ክሳገር ንምግባር ውሽጣዊ ሓድነቱ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ክጠናኸር ከም ዝግብኦን ብዝተዋደደ ሽርሕታት ውድብና ንምፍራስ ዝግበር ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓሳት ብዝልዓለ ብልሓት ንኽቃለሶን ወሲኑ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ መላእ ኣባልና፣ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከብ ህዝብናን ተናንሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሶም ብምጥንኻር ንዘተኣማምን ሰላምን ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሕውየትን ክረባረቡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ።
መድረኻዊ ዕማማትና ንምፍፃም ሓፂናዊ ሓድነትና ነጠናኽር!
ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
ሰነ 2015 ዓ.ም መቐለ
