ስርቂ ትካላት ማይ !
ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይቆፃፀሮም ኣብ ዘሎ ከባቢታት ትግራይ ልዕሊ 2000 ተሓቆንቲ ትካላት ማይ ንብረተን ከም ዝተሰረቐ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቢሮ ዳይሪክተር ቀረብ መስተ ማይን መተሓባበሪ ጉጅለ ፅገናን ክትትልን ደገፍን ኣይተ ገብረዮሱስ ዘርኡ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይሊታት ብዝወልዕዎ ኵናት 70 ሚኢታዊ ትካላት ማይ ትግራይ ከም ዝዓነዋ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ ኮይኑ ገበርቲ ሰናይ በዘካየድዎ ደገፍ ግና እቲ ዒስራ ሚኢታዊ ዕንወት ድሒኑ ሐዚ ሓምሳ ሚኢታዊ ትካላት ማይ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይነን ይርከባ ።
እዚ ከይኣክል ሐዚ ድማ ፀላእቲ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ቅልውላው ንክጋደድ ትሕቲ ዓሰርተ ሽሕ ዝግዛእ ማይ ንምሕቋን ዘድሊ እጀታ ሓፂን ክሳብ ዒስራን ሓሙሽተን ሽሕ ቕርሺ ክንዕድገኩም ብምባል ገለ ተለኣኣኽቲ ነዚ ተግባር ይፍፅሙ ከም ዘለው ብመፅናዕቲ ኣረጋጊፅና ኢና ኢሎም።
ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣካላት ፀጥታ ልዑል ፃዕሪ እናገበሩ እዮም ዝበሉ ኣይተ ገብረዮሱስ ቁፅሮም ዘይነዓቑ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብምውዓል ተኸሲሶም ዝተፈረዱ ከም ዘለው እውን ሓቢሮም።
ሚድያታት ትግራይ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ይኹን ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት እናቃልዓ ስርዓት ተሓታትነት ክነግስ ክሰርሓ ኣለወን ዝበሉ እቶም ሓላፊ ህዝቢ ድማ ኣብ ምሕላው ትካላት ማይ ብዕቱብ ክነጥፍ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ዛጊድ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ አብ ዝተቆፃፀሮም ከባቢታት 2010 ተሓቆንቲ ትካላት ማይ ንብረተን ከም ዝተሰረቐ ድማ ዕላዊ ገይሮም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ቢሮ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ንዝመፁ ሰራሕተኛታት ሚድያን ርክብ ህዝብን ኣብ ዙርያ ስራሕቲ ማይን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራትን ሓቢርካ ንምስራሕ አብ ከተማ ዓዲግራት ስልጠና ይህብ ከም ዘሎ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ጂ ኣይ ዜድን ብምትሕብባር ብሞያ ምግናሕ ትራክተር ንሓደ ሰሙን ከሰልጥኖም ዝፀንሑ 42 ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ክስልጥኑ ዝፀንሑ ወገናትና ስልጠንኦም ብምዝዛም ተመሪቖም።
ኣይተ ገብረዋህድ ገብረኣብዝጊን ሃለቃ ሚኪኤለ ገብረኣብዝግን ድማ ካብ ሞንጎ እቶም ሰልጠንቲ ‘ዮም እቲ ዝሰልጠንዎ ሞያ ተጠቒሞም መፍረያይነት ሕርሻ ንምዕባይን ንምቅልጣፍን ከምዝፅዕሩ ይገልፁ።
መተሓባበሪ ትካል ገባሪ ሰናይ ጂኣይዜድ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ በላይ ታደሰ ብወገኖም፤ ኣብዚ ዙርያ ጥራሕ 42 ወገናት ከምዝሰልጠኑን ሕርሻ ትግራይ ዘዘምኑ እታወታት ብምቕራብ ተኸታታሊ ደገፍን ክትትልን ከምዝውሃብ ይሕብሩ።
እቲ ስልጠንኦም ወዲኦም ዝምረቑ ዘለው ወገናት ንኻልኦት ‘ውን ከብቅዑ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ምስ ትካል ሂወት ሕርሻ ሜኬናይዝሽን ብምትሕብባር ብፍትሓዊ ዋጋ ንገባራት ከገልግሉ ከምዝስራሕ ድማ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ሜካናይዜሽን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ኣይተ መዝገበ ተስፋይ ይገልፁ።
ትግራይ ኣጋጢሙዋ ካብ ዘሎ ድርቒ፣ ጥሜትን ጀኖሳይዳዊ ዕንወትን ንምሕዋይ ዓውዲ ሕርሻ ብምዝማን ተጠቃምነት ሓረስቶት ንምርግጋፅ ዓሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ኣተሓባባሪ ሕርሻ ኣይተ መሓሪ ወልደገብርኤል የረድኡ ክብል እቲ ማሕበር ዘውፅኦ ሓበሬታ የመላኽት ።
ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ሕብረተሰብ ፀጥታ ከባቢኡ ውሕስ ክኸውን ህዝቢ በዓል ዋና ፀጥታ ኾይኑ ንክረባረብ ምስራሕ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣብ ዘሳለጦ ዋዕላ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ተኽላይ ተስፋይ ሕብረተሰብ ፀጥታ ከባቢኡ ውሕስ ንምግባር ህዝባውነት ስምዒት ሒዝና ዝተዋደደ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ።
ኣብ ስርቂ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር፣ ብርሰት ኣግራብን ማዕድንን ዓበይቲ ጉድለታትን ፀገም ፀጥታን ምዃኖም ዘመላኸቱ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ቆላ ተምቤን ሃለቃ ገብረኺዳን እምባፍራሱ እዚ ህዝቢ ብምስታፍን መምሀራይ ስጉምቲ ብምውሳድን ክንፈትሖ ይግባእ ኢሎም
ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ክኣቱ ኣብ ምኽባር ፀጥታን ቁፅፅር ምንቅስቓስ ትራፊክን ብንቕሓት ምስራሕ ከም ዘድሊ ተሓቢሩ እዩ ።
★ ምድላው ቐልጢፎም ዝባፅሑ፡ ሕማምን ድርቅን ዝፃወሩ ዓሌት ዘራእቲ
ኢኒስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብምርምር ዘረጋገፆም ቐልጢፎም ዝባፅሑ ፡ ሕማማትን ድርቅን ዝፃወሩ ዓሌታት ዘራእቲ ብምድላው ሓረስታይ ትግራይ ፍርያቱ ዘሰስነሉ ኩነታት ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ኢንስቲትዩት ከምዝገለፆ እቶም ምሩፃት ዓሌት ዘራእቲ ንስነ ምህዳር ትግራይ መሰረት ዝገበሩ ከምዝኾኑ እውን ገሊፁ ኣሎ።
ዳይሬክትር ዳይሬክቶሬት ስነ ዘራእቲ ኢኒስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዶክተር ይርጋለም ፀሃየ ከምዝሃበርዎ ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ዓ/ም ክንዲ ዝተኽኣለ ብምርምር ዝተረጋገፁ ድርቅን ሕማምን ዝፃወሩን ቐልጢፎም ዝባፅሑ ዓሌት ዘራእቲ ብምጥቃም ሓረስታይ ትግራይ ፍርያቱ ከደንፍዕ ንምድጋፍ ዓሊሙ ይሰራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም ።
★ ሚኒስቴር ሓለዎ ጥዕና ፌደራል ኣብ ናይ ትሸዓተ ኣዋርሕ ፀብፃቡ ንህልዊ ኩነታት ጥዕና ትግራይ ከካትት ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ፅንተታዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ዝርግሐ ቴክኖሎጂ እተን ትካላትን ብዝበፀሐ ከቢድ ዕንወት ህሊዊ ኩነታት ጉዳይ ጥዕና ትግራይ ኣብ ፀብፃባቱ ከካትት ከምዘይከኣለ ሚኒስቴር ሓለዎ ጥዕና ፌደራል ገሊፁ ።
ጋዜጣ ሪፖርተር ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትሸዓተ ኣዋርሕ እቲ ሴክተር ናብ ፖርላማ እታ ሃገር እንትቐርብ ፣ ህልዊ ኩነታት ጥዕና ትግራይ ከምዘይተኻተተን ከም ምክንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝተፈፀመ ዕንወት ኣዝዩ ገዚፍ ሙኻኑን ሕዚ እውን እቲ ፀገም ይቕፅል ከምዘሎ ከምኽንያት ከም ዝቐረብ ይሕብር ።
ሚንስትር ዲኤታ ዶክተር ደረጄ ዲጉማ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት መብዛሕቲአን ጥዕና ጣብያን ኬላታት ጥዕናን ከምዝዓነዋ ፡ ዝዓነዋ ኮምፕዩተራትን ግልጋሎት ኢንተርነትን ዛጊድ እውን ከምዘይተዓረየን እዚ ድማ ኣብ ፀብፃብ ኮነ ሓፈሻዊ ትልሚ እቲ ሚኒስቴር ከምዝተፀገመን ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ኣብዚ ናይ ትሸዓተ ኣዋርሕ እውን እቲ ዝበፅሀ ጉድኣት ኮነ ህልዊ ኩነታት ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዘይተኻተተ ሓቢሮም ክብል ጋዜጣ ሪፖርተር ፀብፂቡ ።
★ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክረምቲ እኹል ዝናብ ብዘይምዝናቡ ስዒቡ ብዘጋጠማ ሓደጋ ድርቂ ህዝቢ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ከምዝርከብ ተሓቢሩ።
ኣብ ኩለመዳያዊ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ብተወለድቲ ዓዲ ዝግበሩ ዘሎዉ ምትሕግጋዛት ድማ ቀፃልነት ክህልዎም ከምዝግባእ እዉን ተመልኪቱ ኣሎ።
እዚ ዝተገለፀ ማሕበር ልምዓት ስቡሓ ሳዕሲዕን ዕደጋ ሓሙስን ብልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ዝተሸመተ ዒልቦ ኣብተን ወረዳታት ንዝርከቡ ብድርቂ ዝተጠቐዑ 3 ሽሕ ወገናት ተኸፋፍሉ፡፡
እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ካብ ተወለደቲን ፈተውቲን እቲ ከባቢ ብዝተኣከበ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ዝተሸመተ ዒልቦ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ፀሓፊ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ስቡሓ ሳዕሲዕን ዕደጋ ሓሙስን ዶ/ር ኣብርሃ ብስራት እዚ ደገፍ ተጠናኪሩ ከምዝቕፅል ድማ ገሊፆም፡፡
★ ኣብ ሱዳን ይቕፅል ብዘሎ ደማዊ ኩናት ህፃናት ሓዊሱ ሂወት ብርክት ዝበሉ ሲቪላት ግዳይ ሙኻኖም ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፆም ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድርስ ኣድሓኖም ኣብ ሱዳን ይቕፅል ብዘሎ ደማዊ ኩናት ሂወት ብርክት ዝበሉ ህፃናት ግዳይ ሞት ከምዝኮኑ ሓቢሮም ።
ንቕንያቱ ኣብታ ሃገር ከተማ ኤልፋሺር ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሜድሲን ሳን ፍሮንቴር (MSF) ዝጥቀመሉ ሆስፒታል ህፃናት ዘስካሕክሕ ጉድኣት ምብፅሑ ኣዝዩ ዘሕዝን ሙኽኑ ዝገለፁ ዶክተር ቴድሮስ እቲ ኩናት ደው ክብል ፀዊዖም ።
በቲ ኣብ ከተማ ኤልፋሺር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብርክት ዝበሉ ሲቪል ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣብኡ ተዓፅዮም ዝርከቡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝጠሓሉ ፀብፃባት የመላኽቱ ።
★ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ምቁርራፅ ኢንተርኔት ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።
ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ሃገራት ኬንያ ፣ሶማሊያ ፣ኡጋንዳን ሩዋንዳን ምቁርራፅ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከምዘጋጠመ ነቲ ግልጋሎት ዘቕርቡ ትካላት ገሊፆም።
ምኽንያት እቲ ምቁርራፅ ኣብ ውሽጢ ኣብ ውቅያኖስ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መስመር ብዝበፅሐ ጉድኣት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።
ብቲ ምቁርራፅ ኢንተርኔት ታንዛንያ ኣዝያ ከምዝተሃሰየት ዝተለፀ እንትኾን፣ ፍሰት ትራፊክ ኢንተርኔት እታ ሃገር ብ 30 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ተገሊፁ። ኣብ ማላዊ ፣ሞዛምቢክን ማዳጋስካር እውን ምቁርራፅ ኢንተርኔት ከምዘጋጠመ ክላውድፍላር ራዳር ኣፍሊጡ።
★ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌ ሾጒ ካብ ሓላፍነቱ ከምዘልዓሎ ተገሊፁ።
ወዲ 68 ዓመት ሰርጌ ሾጒ ካብ 2012 ጀሚሩ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ክሰርሕ ከምዝፀነሐ ዝተገለፀ እንትኾን፣ሐዚ ብፕረዚደንት ፑቲን ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ተላዒሉም ኣብ ዋና ፀሓፊ ባይቶ ፀጥታ ሩስያ ክሰርሕ ከምዝተመደበ ተገሊፁ ኣሎ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣንድሬ ቤሎሶቭ ንሰርጌ ሸጉ ቀይሩ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኮይኑ ከምዝተሾመ ድማ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
★ ኣብ ደቡባዊ ብራዚል ግዝኣት ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ብዘጋጠመ ዝኸፍአ ፅንኩር ኩነታት ኣየር ቁፅሪ ዝሞቱ ናብ 143 ከምዝዓበየን ተሃቢሩ ።
በቲ ሓደጋ ውሑጅ 125 ሰባት ክስብ ሕዚ ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠን ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ ቦትኦም ምዝተፈናቐሉ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ ።
ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙን ኣብታ ግዝኣት ብዝወቕዕ ዘሎ ሓያል ዝናብ ሩባታት መቐፃፀሪ ባንክታቱ ፈንፂሑም ብምውፃእ ብዘስዓቦ ውሕጅን ንዕኡ ስዒቡ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬትን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ፖርቶ ኣለግረ ሓዊሱ ኣብ 446 ኣናእሽቱ ከተማታት ከቢድ ጉድኣት ምብፅሑ ተሓቢሩ ።
ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ዙርያ ከተማ ዉቕሮ ንዝርከብ ማእኸል መሐብሐቢ ህፃናት ኣረጋዉያንን ሕሙማት ስነ-ኣእምሮን ቤተ-ኣቢዳራ ንቐለብ ሕሙማት ዝዉዕል ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ብሓገዝ ሂቡ::
ብኻልእ ወገን ምግባረ ሰናይ ትእምት ንመዛዘሚ ስራሕቲ ማእኸል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ተወሳኺ ልዕሊ 4 ነጥቢ 6 ሚልዮን ቅርሺ በጀት ኣፅዲቑ ::
ንህንፀት ማእኸል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ብድማር ልዕሊ 42 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ብምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ምግባረ ሰናይ ትእምት ሕዚ ድማ ንመዛዘሚ ስራሕቲ ሲራሚክን ምልኻይ ሕብርን’ እቲ ማእኸል ዝዉዕል ተወሳኺ 4,697,555 ቅርሺ ብምፅዳቕ ዛጊድ ናይዚ 30% ገንዘብ በጀት ተደፊኡ’ሎ::
ምግባረ ሰናይ ትእምት ቅድም ክብል’ዉን ንምግባረ ሰናይ እማሆይ ፀጋ ግርማይ 1.34 ሚልዮን ቅርሺ ከምዝሓገዘ ዝዝከር’ዩ::
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራይ ትካል ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት (ዩኒሴፍ)ንወረዳታት ፅገና መስተ ማይ ዝውዕል ሶላር ፓምፕን ፅገና ናውትን ንቢሮ ማይን ኢነርጂን ብሓገዝ ኣበርኪቱ።
ቢሮ ማይን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ምስ ትካል ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍን ዘይመንግስታዊ ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ዝዓነዋ ትካላት ማይ ኣብ ምፅጋን ፀገም ሕብረተሰብ ንምቅራፍ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተገሊፁ።
እዙይ ሎሚ ዝተገበረ ሓገዝ እውን ናይዚ መቐፀልታ ኮይኑ ንወረዳታት ፅገና መስተ ማይ ዝውዕል ሶላር ፓምፕን ፅገና ናውትን ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓገዝ ልዕሊ 65 ሚልዮን ዝዋግኡ መፀገኒ ናውቲ መሰተ ማይ ከምዝኾነ ፤ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ዩኒሴፍ ጨንፈር ትግራይ ዴቪድ እጉለ ይገልፁ። እዚ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ናውቲ ምስተዘርገሐ ፥ ኣብ 6 ናቑጣታት ግልጋሎት ዝህባ መስተ ማይ ልዕሊ 60 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃማይ ክዀውን ‘ዩ ይብሉ።
★ ንዓመታት ዝዘለቐ ሕቶ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ብዘይምርካብና ኣብ ማእኸል ከተማ መቐለ ኾይንና ስኣን መሰረተ ልምዓት መንገዲ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ንቓላዕ ኣለና ክብሉ ነበርቲ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ገሊፆም።
እቲ ሕቶ ትክኽልን ፍትሓውን ምዃኑ ዝገለፀ ቤት ማዘጋጃ እታ ክፍለ ከተማ ብወገኑ እቲ ፀገም ኣብ ካሕሳ ዘሎ ፀገም ዝፈጠሮ እዩ፤ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ምስ ህዝብና ምርድዳእ እናፈጠርና ክንፈትሖ ፃዕሪ ንገብር ኣለና ክብል ገሊፁ።
★ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ብሙሉእነት ብምትግባር ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረባቶም ክሳብ ዝምለሱ ዝግበር ዓርሰ ምትሕግጋዝ ተጠናኪሩ ክቅፅል ከምዝግባእ ተገሊፁ።
እዚ ዝተገለፀ ምምሕዳር ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ሓገዝ ኣብዑር ኣብ ዝገበረሉ እዋን እዩ።
★ ኣብ ስርቂ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር፣ ብርሰት ኣግራብን ማዕድንን ዓበይቲ ጉድለታትን ፀገም ፀጥታን ምዃኖም ዘመላኸቱ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ቆላ ተምቤን ሃለቃ ገብረኺዳን እምባፍራሱ እዚ ህዝቢ ብምስታፍን መምሀራይ ስጉምቲ ብምውሳድን ክንፈትሖ ይግባእ ኢሎም
ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ክኣቱ ኣብ ምኽባር ፀጥታን ቁፅፅር ምንቅስቓስ ትራፊክን ብንቕሓት ምስራሕ ከም ዘድሊ ተሓቢሩ ።
★ ህዝቢ ትግራይ መሰሉን ረብሕኡን ብሰላማዊ መንገዲ ንክረጋገፅ ዝተረኸበ ሰላም ምዕቃብን ዘላቕን ዘተኣማምንን ምግባርን ኣድላይ ምዃኑ ዲያስፖራ ትግራይ ሓቢሮም።
ሓድነታዊ ግዝኣት ትግራይ ንክረጋገፅን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘጋጠሞ ስነ ልቦናዊ ሃሰያ ተናጊፉ ናብ ሕውየትን ልምዓትን ክሰጋገርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዲያስፖራ ትግራይ እጃሙ ከበርክት ድማ ሓቲቶም።
★ መናእሰይ ትግራይ ኣብ መኸተ ዘርኣዮ ሓፂናዊ ፅንዓት ዓቂቡ ሕዚ’ውን ዘላቂ ሰላም ኣብ ምዕሳልን ዳግመ ሕውየት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ልዑል ግድኡ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም ንድወት ርኢቶኦም ዝሃቡ መናእሰይ ከተማ መቐለ።
