ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ኣብ ዘሰንብድ ብርኪ ምብፅሑ ዝገልፁ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ እንግሊዝ ሚኒስቴር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣንድሪው ሚቸል፤ ህፁፅ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፡፡
ሆስፒታል ዓይደር ዑደት ብምግባር ንሕዱር ሕማም ዝተቓልዑ ወገናት ከም ዝተዓዘቡ ዝገለፁ እቶም ሚኒስቴር፤ ድባብ ሆስፒታል ዓይደር ምልክት ከቢድ ጥሜት ትግራይ ምዃኑ ምስክርነት ሂቦም፡፡
ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ብኣካል ከም ዝተዓዘቡን ህፁፅ ስጉምቲ ክውሰድ ዝፀውዑን ሚኒስቴር ኣፍሪካ እንግሊዝ ኣንድሬው ሚችል፤ ክብደትን ሓደጋን ጥሜትን ትግራይ ግዜ ክወሃቦ የብሉን ኢሎም፡፡
ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብተስፋ ዝሰኣኑ ህፃናትን መጥበውቲ ኣዴታትን መሊኡ፡፡ መፃኢ ዕድል ዝሓርበቶም ህፃናት ይርከብሉ ኣይርከብሉ ኣጥባት ኣዴታቶም ይዃስዩ፡፡ ኣዴታት ኣማዕዲየን ካብ ምጥማት ወፃኢ ኣብ ጥቐአን ዝቐረበ ዝብላዕ ነገር የለን ብምባል ናይቲ ሆስፒታል ትዕዝብቱ ዝገለፀ ቢቢሲ ብጊዲኡ፤ እቲ ሆስፒታል ብጫውጫውን ህውከትን ዓቕሊ ዘፅብብ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ኣመላኺቱ፡፡
ምስ ሚኒስቴር ኣፍሪካ እንግሊዝ ካብ መቐለ ክሳብ ኣጉላዕ ከም ዝተጓዓዘን ኩነታት ጥዒናን ጥሜትን ትኹረት ገይሩ ከም ዝተዓዘበን ዝጠቐሰ ቢቢሲ፤ ዋላ እኳ ተኹሲ ደው እንተበለ ሰላሕታዊ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ይቕፅል ምህላዉ መንግስቲ ፌደራል ዝኸሓዶ ጥሜት ተስፋሕፊሑ ኣሎ ክብል ፀብፂቡ፡፡
ኣብ ጥዒና ጣብያ ኣጉላዕ ደቀን ሒዘን ዝፀንሓ ኣዴታት፤ ብመሰረት መለክዒ ደረጃ ጥሜት፤ ዳርጋ ኩሎም ህፃናት ሕፅረት ምግቢ ከም ዘጋጠሞም ሰብ ሞያ ጥዒና እቲ ጣብያ ከም ዝሓበራን ሚኒስቴር ጉዳያት ኣፍሪካ እንግሊዝ ኣንድሬው ሚችል ህፁፅ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዘጠንቀቑን ዝገለፀ ቢቢሲ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ክሕደት ነቲ ሓቂ ዝጎሰየ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ጠቒሱ፡፡
ኣብ መሬት ዘሎ ዘሰንብድ ጥሜት ምዕዛቦም ስዒቡ እቶም ሚኒስቴር ፤ መንግስቶም ተወሳኺ 100 ሚልዮን ፖውንድ መድሕን ህይወትን መዐደጊ ክታበታትን ንምልጋስ ቃል ምእታዎም ዝጠቐሰ ቢቢሲ፤ ሓደጋ ጥሜት ምህላዉ ብሞያ ዝተደገፈ መረዳእታታት ኣብ ሕድሕድ ጥዒና ትካላት ከም ዝተዓዘበ ፀብፂቡ፡፡
ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት፤ ኣብ ደረጃ ኤፍ ምብፅሑን እዙይ ማለት ድማ፤ ካብ 10 ሽሕ ሰባት ዕስራ ስድራቤታት ዝብላዕ እንትስእኑ ከምኡ ድማ 30 ሚኢታዊ ትሕቲ 5 ዓማት ህፃናት ሕፅረት ምግቢ እንተጋጥሞም ዝእወጅ ምዃኑ መረዳእታታት ብመረዳእታ ኣደጊፉ ዕላዊ ገይሩ።
ምስ ፕረዝዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ፃንሒት ምግባሩ ዝገለፀ ቢቢሲ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምጥማዩ ብተወሳኺ ሰሪሖም ዓርሶም ክምግቡ ዝኽእሉ ሰባት እውን መሬቶም ብወረርቲ ተታሒዙ ዕድል ከም ዝሰኣኑ ከም ዝገለፅሉ ኣዘኻኺሩ፡፡
ናብ ትግራይ ሚዲያታት ከይንቀሳቐሳ ተኸልኪለን ምህላወን ዘማላኸተ ቢቢሲ፤ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ጥሜት ብምኽሓድ፤ ጥሜት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ገይሮም ንዝጥቀሙ ክልላትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ዘጠንቀቐ እውን ኣካል ፀብፃቡ ገይርዎ ኣሎ፡፡

