እዋኑ ጉንበት 1/1946ዓ.ም ኸምዛ ሎምዓልቲ ማርያም ጉንበት ‘ዩ፤ ቦትኡ ለለ ኣብዛ ካብተን ኹርዓት ትግራይና ዝኾና ታሪካዊ ስፍራታት ሓንቲ ዝኾነት ዓድዋ እያ፤
ቀ/ሚኒስቴር #መለስ ዜናዊ ኣብዛ ዕለት፥ ኣብዛ ቦታ ካብ ኣቦኡ ኣይተ ዜናዊ ኣስረስ ተሰማ ካብ ኣዲኡ ኣለማሽ ገ/ሉኡል ከም ኮኾብ ደሚቑ ናብ’ዛ ዓለም መሰስ ኢሉ ዝተወለደላ ታሪኻዊትን ሃይማኖታዊ ድርብ ፅምብል መዓልቲ እያ!
መለስ ዜናዊ ወዲ 19 ዓመትን 2ይ ዓመት ተምሃሪ ኣ/ኣበባ ዩኒቨርስቲ እናሃለወ: መፃወቲ ዓቀይቶትን ደጋዊ ፀላእቲን ኾይኑ ንዘመናት ብድኽነትን ድንቁርናን ርእሱ ኣድኒኑ ተዋሪዱን ንዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣፍሪቃን ዋሕስ፥ ሓበንን ኣያን ክኸውን ምስ ብፆቱ ኣብ ደደቢት በረኻ ኣብ 1967 ዓም ዝተኸሰተ(#መለስ ተዘይህሉ ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመት ኣይምተዓወተን ወይ ክኹለፍ ነይሩ ዩ ኸም ናይ ለንዘበን ኢለ ብሙሉእ ልበይ እኣምን ዝበልኩም በሉ) ፍሉይን ባዓል ብሩህ ኣእምሮ ዝኾነ መለስ ዜናዊ፧
ን17 ዓመታት ተቃሊሱ፥ ኣቃሊሱን መሪሑን ብዓወት መሰስ ብምባል ን21 ዓመታት ፍፁም ሰለማዊ፥ ልምዓታዊ፥ ማዕርነታዊን ፍትሓዊን ብዝኾነ ሳይንሳዊን ወረጃን ሃገሩን ኣህጉሩን መሪሑ ህዝቡ ኣብ ድርኩኵት ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ክብሪ ብራኸ ሰቂሉ ብዓወት ተወሊዱ ብዓወት ኸም ኮኾብ ደሚቑን ዝሓለፈ ባዓል ህያው ታሪኽ ዩ።
መለስ ዜናዊ በሊሕን ጥበበኛን ሰብ ጥራሕ የኾነይ ነይሩ፤ ለባም፥ ወረጃ፥ ሓቀኛ፥ ጀግና፥ ሰብኣዊ፥ ፍትሓዊን ኾይኑ ነብዪ፥ ሊቀ ሊቃውንቲን ፀላእቱ ከም በርቂ ዝፈርሕዎ ፈተውቱ ኸም ሃዋርያ ዝኣምንዎን ዝኽተልዎን ብሓፈሻ ኸምኒ ሶቅራጥስን ኢየሱስን:
ካብ ዓለማዊ ቁሳዊን ስጋዊን ስሳዐን ህርፋንን ፈፂሙ ዝራሓቀን ናብ ነብሲ/soul ፍፁም ዝቀረበ ካብ ህዝብን ብፆቱን ተዓሪፋ ሳንቲም ኸይወሰደ ካብዛ ዓለም ውን ቁራስ መሬት፥ መኪና ይኹን ገዛ ኸይወነነ ኸምታ ዝመፀላ ሜትሮ ዓለባ ሒዙ ፍፁም ንፁህ ኾይኑ ዝሓለፈ ወገን ውፁዓትን መምህር ፅንዓትን ብዕላማ ዝተኸሰተ ፍሉይን ብሩኽን ልዕሊ ዛ ዓለምና ዝራኣየቶም ውሑዳት ሊቃውንቲ ኾይኑ ኣብ 57 ዓመቱ መዘና ኣልቦ ዓለምለኻዊ ተአምራት ሰሪሑ; ህያው ዩ ኢለ ይኣምን።
ድሕሪ ውድቀት ኣኹሱምን ሃፀይ ዮውሃንስን ዝተኸሰተ መለስ ዜናዊ ትግራይና ክትኮርዐሎምን ክትማሃረሎምን ካብዝግበኣ ውሑዳት ደቃ ቀዳሚነት ዝስራዕ ዕንቁ ወዳ ዩ።
ብመለስ ዜናዊ ዘይኾርዕን ዘይማሃርን ትግራዋይ ሰብ ተሃልዩ መቼም ታይ ክብሎ ኾይነዋ ግን ብዘይ መለስ ዜናዊ ትግራይ ዳርጋ ታሪክን ኹርዓትን ኣልቦ እያ።
መለስ ዝሓደገልና መንገዲ ዓወትን ኹርዓትን (ፀላኢ ኸመይ ይወድቅ ፈታዊ ኸመይ ይፈሪ መንግስትነት ኸመይ ይምራሕ ድኽነትን መሃይምነትን ኸመይ ይቅበር ወዘተ ዝምልከት ፍልጠት)፤ ክንምርምርን ክንጥቀመሉን ተዘይኺኢልና፤ ዝሓደገልና ቁልፊ መንግስታዊ ትካላት መከላኸሊን ድሕንነትን ሃገር ንፀላእቲ ኣሀጊርና ድሕሪኡ ቅድሚ 11 ዓመታት ዝሓለፈ መለስ ንወቅስን ነናሹን ተኾይንና ብስሩ ውን እናበኸናን ናቆዘምናን ቁልቁል ጥራሕ ንወርድ መሕዘኒ ህዝቢ ኢና ንኾን ባሃሊ የ።
መለስ ንምውቃስ ይትረፍዶ ልዕሊኡ ክንሰርሕ እተን መሰረታዊ ፍሉያት ስብእና መለስ ዝኾና ወረጃነት፥ ልቦና፥ ፍትሓውነትን ህዝባዊነትን ወዘተ ካብ ስስዕናን ዕጥራን ስኽራን ድንቁርናን ሌብነትን ነፃ ከኾነ ትግራዋይ ክህሉ ይግባእ ይቅርና መለስ ዝወነነን ፍልጠትን ምርምርን ዝወነነ ክህሉስ🤔
ዝበልኩም በሉ!
ስለዝኾነ ለለ መለስ ዜናዊ ንዓይ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጡር ብፁዕን መዘና ሃወርያታትን ኾይኑ ኸምህሩኒ ዝኽእሉ እዛ ዓለም ካብ ዘፍረየቶም ውሑዳት ሊቃውንቲ መለሰይ ዝኣክል ከቶ የልቦን እናበልኩ መለስ ሓዲግለይ ዝኸደ ፍልጠትን ስብእናን እናተምሃርኩ መዓልቲ ውልደቱ ዝኾነት ማርያም ጉንበት እናመረቅኩ ሽምዓ ኾሊዐ እዝክራ እግነ🙏
ህያው መለስ ዜናዊ ዓድዋ ደጊምኪ ውለዲ ‘ባ🌷
