እቲ ውዕሊ ግን ገና ትግራይ ከይተመለሱ እቶም ሰባት እዩ ተቃውሞ ዝገጠሞ:: ንሕና ዝልኣኽናዮም ሰባት ኣይኮኑን ዝዓይነቱ መግለፂ ብህወሓት እንትወፅእ መደናገሪ እዩ ኮይንና ነይሩ:: መፂኦም’ውን ድሕሪ ሓያል ክትዕ እዮም ንምቅባል ተገዲዶም:: ተገዲዶም ዋላ እንተበልኩ ውሽጢ ንውሽጢ ሳሪሃ ማሪሃ ንክስራሕ ሽዑ ንሽዑ እዩ ተጀሚሩ በቶም እንዳ ቤት ፅሕፈት:: ንምንታይ እንተተባሂሉ ኣብዚ ግልፂ እዩ:: እታ ግዝያዊ መንግስቲ ምስ ተመስረተ 49% ስልጣን ካብ ህወሓት ወፃኢ ክኸውን ኣለው ትብል ፅንሰ ሓሳብ አዐርያ እያ ኣሕሚማቶም::
ቀፂሉ ዝመፅአ’ውን እቲ ኣብ ፕሬዚዳንት ኣብ ምምራፅ ዝነበረ ሕኹትኩት እዩ:: ኣነ እየ ዝኸውን ብዝብል ዶ/ር ደብረፅዮን ነዊሕ ከይዶም ከይተሳኽዐሎም ተሪፉን ኣዋርሕ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከም ዝተቃፀለን ኣይንረስዕ:: እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ተመስሪቱ’ውን ኮነ ኢሉ ስርሑ ንከይሰርሕ ሕልኽልኽ ዝበለ ባይታ ንከጋጥሞን: ሕልፍ ኢሉ’ውን ብህዝቢ ንክፅላእን ብዙሕ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ኣይንረስዕ::
ምንም ዘይረብሕ ምፅልእላእ እዩ ተኻይዱ ኣብዚ:: ንጌታቸው ረዳ እምሓ.ራይ እዩ እስካብ ምባል: ንወዲ ወረደ በልፂጉ እዩ እስካብ ምባል እዩ ተኸይዱ ብቢሮ ፕሮፖጋንዳ ተቢሉ:: ሕሰብዎ’ሞ ክንደይ ዓመት ዘምልኽዎ ዝነበሩ ጌታቸው ረዳ ብሓንቲ ፅሓይ እስካብ ዘር ማንዘሩ ምጥላም እንትብፃሕ: ከይጋደሉ ተሓቢኦም ዘሕለፍዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሓለፍቲ ነቲ ውድብና ኢሎም ዝብለፅሉ ውድብ ልዕሊ 48 ዓማውቲ ንዝሃበ ሰብ በልፂጉ እዩ ኢሎም ሰፊሕ ናይ ፀለመ ስራሕቲ እንትለኽዮ ብሓቂ መሕፈሪ እዩ::
እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይቲ ውዕሊ ዕንቅፋት ግን ኮነ ተባሂሉ ነቶም ኣዘዝቲ ናብቲ ናይ ወርቂ ስራሕቲ ብስሩዕ እንተእትይዎም እዩ ኮይኑ:: ብወገን ፈትለን ኣለምን ዝነበረ ከቢድ ምትዕንቃፍ ዝርሳዕ ኣይኮነን:: ምስ ሽዓብያ ርክባት እስካብ ምፍጣር ተኸይዱ እቲ ውዕሊ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ወዲቁ ነይሩ::
ኮነ ተባሂሉ እቲ ሰብ ንክማረር ሰፋሕቲ ስራሕቲእዮም ተሰሪሖም:: ናይ ፀጥታ ብልሽውነት ኣካል እዚ እዩ:: ካልእ እሞ ይትረፍ እቲ ናይ ማይ ቡምባ ስርቆት ከይተረፍ ኣካል እዚ ፕሮጀክት እዩ::
ካብኡ ሕልፍ ኢሉ’ውን ኮነ ተባሂሉ ኣብተን ኣግባብነት ዘለወን ናይ ህዝቢ ሕቶታት ተለጢፍካ ሁከት ንምፍጣር ከይተረፈ ዝተኸየደሉ ክያዶ መሰከፊ እዩ:: ኣብተን ናይ ተመዛበልቲ : ኮነደቂ ኣንስትዮ ሰልፊታት ሳላ እቲ ሰብ ዲሲፕሊን ዘለዎ ኮይኑን ዝምልከቶም ኣካላት ብኣግባቡ ተቆፃፂሮምዎ እምበር ናብ ካልእ ዘምርሐሉ ኣጋጣሚ ሰፊሕ እዩ ነይሩ::
እቲ ኣዝዩ ዘሕዝነኒ ኣካል ግን እቲ ኣብ ስርቂ ዘሎ ኣካል እቲ ሙሉእ ሰላም እንተመፂኡ ስርዓት ስለ ዝህልው ኣንፃር ጥቅመይን ትርፈይን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ሃልዩ ምርኣይ እዩ:: ንትግራይ ኢሎም አዐሽዮምና እምበር ብትግራይ ገይሮም ኣንፃር ትግራይ ዝተሰለፉ ሓይልታት ከም ዘለው እዩ ዘመላኽተና::
እታ ኣዝያ ዝተሳኽዐት ዛዕባ ግን እቲ ጉዳይ ናይ ጉጅለ ገይርካ ኣብ ምቅራፅ ዝተሰርሐ ስራሕ እዩ ኢለ ይኣምን:: ፕሪቶርያ ዝድግፍን ፕሪቶርያ ዘይድግፍን ጉጅለ ኢሉ ክልቲኡ እንታይ ማለት እዩ ኢሉ ክንዲ ዝትንትን ኣነ ኣብ ጉጅለ ኣይኣትውን ኢሉ ንባዕሉ ከም ንቁሕ ዝቆፅር ዝተምሃረ ኣካል ከም ምርኣይ ዘሕፍር ነገር የለን:: ክንዲ ኣብ ሞንጎ ሰላምን ኩናትን ዘሎ ኣፈላላይ እዩ ኢሉ ዝሕሰብ ኣብ “ጉጅለ” ፎከስ ምግባሩ ንባዕለይ ክንዲ ምንታይ ኢና ወዲቅና ዘለና ኢለ እንትሓስቦ የደንግፀኒ እዩ:: ፕሪቶርያ ንምሕላው እየ ዝቃለስ እንትብል ንጉጅለ ኢኻ ጠጠው ትብል ወቀሳ ካብቶም ንቁሓት እንትመፅአኒ’ውን የስሕቀኒ እዩ::
ሕጂ ናብ ዘይምለሰሉ ብርኪ ዝበፅሐ ይመስለኒ እቲ ዘለናዮ ከይዲ:: ኩሉ ነቲ ዝተጀመረ ስራሕ ክድግፍ: ኣንፃሩ ንዝተሰለፉ ክቃለስ እዩ ዝግብኦ:: ግዝኣት ትግራይ መሊኡ ክምለስ: እቲ ክንደይ ስቃይ ዘሕለፈ ተመዛባላይና ናብ መረበቱ ንክምለስ ኩሉ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ክስለፍን ክሕግዝን ዝግብአሉ ስዓት ዝተበፅሐ ይመስለኒ:: ኣጆኹም Getachew K Reda: ጀነራል ወረደ: ጀነራል ፃድቃንን ካልኦትኩምን:: ኩሉ ምሳኹም እዩ:: ዝዕንቅፍ እንተሃልዩ’ውን ሓቢሩ ምሳኹም ክቃለሶም እዩ::
