Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጋዛ ዝበፅሕ ጉድኣት ንክትቅንስ ኣሜሪካ ሓቲታ

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጋዛ ዝበፅሕ ጉድኣት ንክትቅንስ ኣሜሪካ ሓቲታ።

ሚኒስቴር ጥዕና ፍልስጤም፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ ኣብ ጋዛ 249 ዜጋታት ህይወቶም እንትስእኑ 510 ድማ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ኢዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝገብርዎ ዑደት ብምቕፃል ትማሊ ናብ እስራኤል ምእታዎም ተገሊፁ።

ፀብፃብ ሚኒስቴር ጥዕና ፍልስጤም ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጋዛ ዝበፅሕ ጉድኣት ንክትቅንስ ኣንቶኒ ቢሊንከን ሓቲቶም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ፍሊስጤማዊያን መረበቶም ብምልቃቕ ንክወፅኡ ዝግበር ፅዕንቶ ትኽክል ዘይምዃኑ ምዝራቦም ይዝከር።

ሚኒስቴር ምክልኻል አስራኤል ብግድኡ፥ ኣብ ደቡባዊን ማእከላዊን ጋዛ ሓዱሽ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ከምዝተጀመረ ኣፍሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *