Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

እስራኤል-ቃዛ፡ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ውግእ ዝገትእ ውዕሊ ተኹሲ ደው ምባል ተኸቲሙ

ኣብ ቃዛ ኣብ መንጐ ሰራዊት እስራኤልን ጅሃዳዊ ዕጡቕ ጉጅለ ፍሊስጤምን ንሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሮም፡ ክልቲኦም ወገናት ብዝገበርዎ ውዕል ምቁራጽ ቶኵሲ ደው ክብል ተስፋታት ዛይዱ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ትማሊ ምሸት ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ክገብሩ ድሕሪ ምስምምዖም፡ ንክልተ ሰዓታት ከቢድ ምልውዋጥ ተኹሲ ኣካይዶም ። እስራኤል እቲ ተኹሲ ንጅሃዳዊ ጉጅለ ፍልስጤም ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ገሊጻ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ጅሃዳውያን ጉጅለ ፍሊስጤም፡ ከም ግብረ መልሲ ናብ እስራኤል ብዝተኰስዎ ሮኬታት ሓደ እስራኤላውን ሓደ ፍሊስጤማውያን ምሟቶም ኣቃሊሐን።

ክልቲኦም ወገናት ብሸምጋልነት ግብጺ’ዮም ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክበጽሑ ክኢሎም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ሓንጎፋይ ኢሉ ከምዝቕበሎ ብምግላጽ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ዞባውያን መሻርኽቱ ኮይኑ ክሰርሕ ምጽንሑ ሓቢሩ።

እቲ ውዕል ካብ ትማሊ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን’ኳ ኣብቲ ውዕል እንተነበረ፡ ድሕሪ ሰዓት ዓሰርተ ዕጡቓት ጅሃዳዊ ጉጅለ ፍልስጤም ናብ ቴል ኣቪቭን ናብ ደቡባዊ ሸነኽ እስራኤልን ሮኬታት ተኵሶም ነይሮም።

እስራኤል ብወገና ደብዳብ ኣየር ብምክያድ ክልተ ዒላማታት ጅሃዳውያን ጉጅለ ፍልስጤም ከምዝሃረመት ኣፍሊጣ።

ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ምስ ኮነ’ውን ብክልቲኦም ወገናት ምልውዋጥ ተኹሲ ከምዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ

ቢቢሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *