ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ፒተር ለርነር ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት እስራኤልን ሓማስን “ከቢድ ልውውጥ” ተዅሲ ክካየድ ከምዝሓደረ ገሊጹ።
ለርነር ምስ ቢቢሲ ብሬክፋስት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል “ደረጃ ብደረጃን እናሸራረፈን ንሓማስ ይድምስሶ ኣሎ” ኢሉ።
ዕላማኡ ድማ ምስ ሓማስ ምግጣምን “ትሕተ ቅርጺታቱ ምዕናውን” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።
ለርነር፡ ሓማስ ኣብ መሳጊድን ህንጻታት ሲቪላትን ኰይኑ ይዋጋእ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ሓማስ ሰላማውያንን ትካላትን ከም ድፋዕ ይጥቀም ኣሎ ንዝብል ክሲ እስራኤል ብተደጋጋሚ ይነጽግ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ ኢይላት፡ ነፋሪት ክሊ ኣየር ጥሒሳ ምእታዋ ስዒቡ ደወል ሓደጋ ተሰሚዑ።
ነዚ ኣመልኪቱ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ናብ ዝርከብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ዝተጸገዐ “ዒላማ ኣየር” ከም ዝነበረን ንሰላማውያን ሓደጋ ከም ዘይኰነን ኣፍሊጡ።
