Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኤርትራ ን መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቃለ-ማሕላ ብምፍጻም ኣመሪቃ

ንሓደ ዓመት ኣብ ሳዋ ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ክከታተሉን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠናታት ክቐስሙን ዝጸንሑ ኣባላት መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሎሚ 15 ሓምለ ተመሪቘም።

ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ተመረቕቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣቕሪቦም።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ኣብ ዘቕረቦ ሓጺር ጸብጻብ፡ መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ዲሲፕሊንን ስነ-ምግባርን ንኡዳትን ካብ ዝሓለፉ ዙርያታት ጸብለልታ ዘርኣዩን ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሰልጠንቲ 49.8 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ኮይነን፡ ንኹሉ ዝተዋህበን ስልጠናን ስራሕን ብብቕዓት ከምዘተግበራ ዝጠቐሰ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ኣጠቓላሊ ገምጋም ውጽኢት ሰልጠንቲ ኣብ ኩሉ ዝተኻየደሎም ወተሃደራዊ ስልጠና 75.4 ሚእታዊት ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።

NationalEr Interest

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *