Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ማሕበር ደለይቲ ሰላም ንመሐብሐቢ ህፃናት ሎላ ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ሸሕ ብር ሐገዝ ገንዘብ ሂቦም።

ኣካያዲት ስራሕ ትካል ቤተ ህፃናት ሎላ ወይዘሮ ኤደን ሓጎስ ልዕሊ ሓደ ሚእትን ሓሙሽተን ተሓብሐብቲን ካልኦት ፁጉማት ሕብረተሰብ ብምሕጋዝ ዝሰርሕ ዘሎ ትካለን ካብ ውሸጢ ዓድን ወፃእን ሓገዛት ዝገበሩ ዘለው ጉዱሳት ተጋሩን ኤሬትራውያን ብምንኣድ ሓገዞም ክቕፅልሉ ፀዊዐን።

ተወካሊ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ማሕበር ደለይቲ ሰላም ኣይተ ገብረመድህን ብርሃነ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ብማሕበሮም ኣቢሎም ልዕሊ 240 ሽሕ ብር ንመሐብሐቢ ህፃናት ሎላ ሓገዝ ከምዝሃቡ ብምግላፅ ኣብ ፀገምን መከራን ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ንገብሮ ሓገዝ ዶብ ከይፈለና ሕውነትና ክነጠነኽሮ ኢና ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *