
10 ሚያዝያ 2024
ኢትዮጵያ ኣባል ዞባዊ ውድብ- ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትከውን ሕቶ ከምዘየቕረበት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ነብዩ ተድላ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ኣባል ዞባዊ ውድብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምዃን ዝዀነ ተገዳስነት ከምዘይብላ እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
ቅድም ክብል መንግስታዊ ሚድያ ኬንያ፡ ኬንያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን [KBC]- ንሓንቲ ላዕለወይቲ በዓል ስልጣን እቲ ዞባዊ ውድብ ብምጥቃስ፡ እቲ ዞባዊ ውድብ ንኢትዮጵያ ታሽዓይቲ ኣባል ሃገር ገይሩ ክቕበላ ምዃኑ ኣቃሊሑ ነይሩ።
- ሶማልያ ኣባል ዞባዊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይና25 ሕዳር 2023
- ‘ባጤራ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ’ ዝብል ስኑዕ ሓበሬታ ዝዘርግሐ ውልቀሰብ በቲ ዝረኸቦ ኣቓልቦ ተገሪሙ11 መጋቢት 2024
- ከነኣን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰረተ ካብ ዓበይቲ ትካላት ኤርትራውያን30 ጥሪ 2024
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነብዩ ተድላ ግን፡ “እቲ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ’ዩ” ክብል ነፂጉ።
“እታ ሓላፊት ነቲ ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸበቶ ኣይንፈልጥን ኢና። ንሕና ከም ሃገር ናብቲ ትካል ክንጽንበር ዝዀነ ሕቶ ኣየቕረብናን። ዝተለዋወጥናዮ ሰነድ’ውን የለን” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ ናብቲ ዞባዊ ውዳበ ክትጽንበር ምዃና ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ኣነጺሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ትኹረት ኢትዮጵያ ኣብ ኣተገባብራ ናጻ ዞባ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምዃኑ’ውን ነብዩ ሓቢሩ።
ዞባዊ ውድብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንሃገራት ብሩንዲ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳን ታንዛንያን ከም ኣባላት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ድማ ኣብ ኣሩሻ፡ታንዛንያ እዩ።
እቲ ዞባዊ ውድብ ብሓፈሻ ኣስታት 300 ሚልዮን ህዝቢ ዝሓቘፈ ክኸውን እንከሎ፡ ንኢትዮጵዝያ ከም ኣባል ንምቕባል ዝምልከት ዜና ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዋና ጸሓፊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፒተር ማቱኪ ንጋዜጣ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ማሕበረሰብ ምስ እትኸውን፡ ብዝሒ ህዝቢ እቲ ዞባ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ክዛረብ ተሰሙዑ ነይሩ።
ትንበያ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF)፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድምር ዓመታዊ ሃገራዊ ፍርያት (GDP) ናይተን 7 ሃገራት 346.17 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሶማልያ ኣባል ናይዚ ዞባዊ ውድብ ኰይና ምምዝጋባ ዝዝከር እዩ።
እተን ኣባል ሃገራት ሓደ ሓባራዊ ባጤራ ንምጥቃም ይውጥና ከምዘለዋ’ውን ይንገር።
