ዕላማታት ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ 2063 ንምዕዋት ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ድልዱል ስርዓተ ምሕደራ ፋይናንስ ክሰርዓን ተሓታትነት ክምስርታ ከምዘለወን ተገሊጹ።
እዚ ዝገለፁ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንቁጠባዊ ልምዓት፣ ንግዲ፣ ቱሪዝም፣ ኢንዱስትሪን ማዕድናትን ኣምባሳደር ኣልበርት ሙቻንጋ እዩ።
ዕላማታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ስርዓተ ምሕደራ ፋይናንስ ኣፍሪቃውያን ከመይ ክመስል ከም ዘለዎ ንምድህሳስ “ዘተ ፖሊሲ ባጀት” መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኮሚሽነር ቁጠባዊ ልምዓት፣ ንግዲ፣ ቱሪዝም፣ ኢንዱስትሪን ማዕድናትን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ኣልበርት ሙቻንጋ ኣብቲ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ሸቶታት ልምዓት ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካ 2063ን 2030ን ንምዕዋት ስርዓት ፋይናንስ እዋናዊ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣፍሪካውያን ባጀት ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይውዕል ድዩ ኣይውዕልን ክከታተሉን ክቆጻጸሩን ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ዳይሬክተር ክፍሊ ማይክሮ ኢኮኖሚክስን ምሕደራን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪካ ዶክተር ኣዳም ኢልሂራይካ ኣብ ኣፍሪካ በብዓመቱ ኣስታት 200 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ባጀት ክፍተት ንምዕፃው ግሉጽን ተሓታትነትን ዘለዎ ስርዓት ክቐውም ኣለዎ ኢሎም።
ኣፍሪቃውያን ካብ ጠቕላላ ባጀቶም 36 ሚእታዊት ጥራይ ካብ ውሽጣዊ እቶት ከም ዝእክቡ ኣመልኪቱ፡ ስለዚ ድማ ስርዓተ ምእካብ ግብሪ ክምርምሩ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ጽላት ዕደና ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ጽላት ዕደና ተዋፊረን ዝጸንሓን ዝኾነ ይኹን ግብሪ ዘይከፈላን ከም ባንክሮት ዝወጻ ትካላት ብዙሓት ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ወኪል ፈንድ ሕጻናት ሕቡራት ሃገራት/ዩኒሴፍ/ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃን ዶክተር ላይላ ጋድ፡ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ 2063 ሓቛፊ ምዕባለን ዘላቒ ልምዓትን ንምርግጋጽ ኣብ ህጻናት ክሰርሕ ይግባእ ኢለን።
ከም ውጽኢቱ ድማ ኣፍሪቃውያን ዩኒሴፍ ኣብ ኣጠቓቕማ ባጀቶም ግሉጽነት ብምርግጋጽ ምስቶም ናይ ጽባሕ ተስፋ ዝኾኑ ህጻናት ዝሰርሕዎ ኩሉ ስራሕ ኣብ ጎኖም ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጦም ምህላዎም ኢሳ ጸብጺቡ።
