Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣፈ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ዓደርቃይ : ስያመ ከተማ ዓደርቃይ ክቕየር ወሲኑ ::


ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ጎንደር ቤት ምኽሪ ወረዳ ዓደርቃይ ትማሊ ዝሓለፈ ሓምለ 01 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ዋዕላ ሹም ታሪኻዊ ዋንነት ተጋሩ ናይ ዝኾነት ወረዳ ዓደርቃይ ክቕየር ኣለዎ ብምባል መማረጺ ኣስማት ኣዳልዩ ህዝቢ ክዛተየሉ ኣለዎ ኢሉ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ ::

ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ቀደም ጀሚሮም መሬት : ታሪኽ ክብርታትን ትግራይን ካልኦትን እናሰረቑን እናስፋሕፍሑን ከምዝመጹ ዝፍለጥ እንትኸዉን ሕጂ እዉን እዚ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ቀጺሎሙሉ ኣለው ::

ናይዚ መቐፀልታ እዉን እዩ ኣፈ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ዓደርቃይ ሹም እታ ከተማ ብ ትግርኛ ስለዝኾነ ናብ ኣምሓርኛ ስያመ ንምቕያር ላዕልን ታሕትን ምባል ጀሚሩ ኣሎ ::

ብምኻኑ ሹም ከተማ ዓደርቃይ ናብ ሰገነት ወይ ሰላም በር ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ስያመ ክቕየር እዩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ዘሎ ::

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ እዉን ናብ ኩለን ቀበሌታት እታ ወረዳ ወሪዱ ካብ ክልቲአን ስያመ ሓደ ንኽመርጹ ትእዛዝ ዘሕለፈ ኮይኑ ክሳብ 20 ሓምለ 2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ከፍልጡን ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝቅፅል ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዘፅድቆን እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ ::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *