ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ኣብ ድሬዳዋ ዝርከቡ ትካላት ቢዝነስ ዑደት ኣሳሊጦም።
እቶም ትካላት ቢዝነስ÷ ናፃ ዞባ ቢዝነስ ድሬዳዋን ደረቅ ወደብ ድሬዳዋን ሓዊሱ መገጣጠሚ መኪና፣ ጨርቀ መርቂ፣ ፕላስቲክን በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲን ኣብ ምፍራይ ዝተዋፈሩ ኢዮም።
ኣገልግሎት ባቡር ብሓዱሽን በዝዘመነ ኩነታን ተሃኒፁ ስራሕ ምጅማሩ÷ ድሬዳዋ ንትካላት ቢዝነስ ተመራፂት ምግባሩ ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ወደብ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ትርከብ ምዃና ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ኣብቲ እዋን ዑደት ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ንግዲን እንዱስትሪን ድሬዳዋ ሃርቢ ቡህ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማ ተረኺቦም።
ፋና
