Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ተዛቲዮም

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ልኡል ፈይሰል ቢን ፈርሃን ኣልሳኡድ ተዛቲዮም፡፡

እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ኣብ ዳቮስ እናተኻየደ ዝርከብ ኢኮኖሚክ ፎረም ዓለም እንትኸውን÷ ኣብ ዘተኦም ድማ ክልተኣዊን እዋናዊን ጉዳያ ትኹረት ገይሮም፡፡

ካብዚ በተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ጠሚቶም ዝተዛተዩ እንትኾኑ÷ ኣብቲ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ተቐራሪበን ክሰርሓ ከምዝግበአን ምዝርራቦም ሓበሬታ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ የመላኽት፡፡

ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለወን ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ንምክያድ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *