Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣዛዚ አርሚ 31 ጀነራል ዘነበ ክፍለ

👑እንዳ ሰላሊዓ👑#ረመፅ ኣብ ዞብል
1ይ ክፋል

ዞብል ቀንዲ ናይ ፀላኢ መከላከልን መእዘዝን ኮይኑ ትግራይ ንምውራር ዝተዳለወ 8ኛ እዚ ንወራር ማዓልቲ ቆፀሮ ሒዚ ኣብተዳሎ እንተሎ

ኣርሚ 31 ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮን ዛናን ተበጊስና ብኣዋዛጋቢ ጉዕዞ ንምዕራብ እዩ ንምብራቅ እዩ ዝብል በቢወልቅኡ ዝሓስብ ተጋዳላይ እዩ ኔሩ። እቲ ዋና ጉዕዞ ኣይተፈለጠን ብጣዕሚ ሚስጥራዊ እዩ ኔሩ ኮይኑ ድማ ንኣንፈት ምብራቅ ገዕዞ ይጅመሪ ኣብቲ ጉዕዞ ብሓያል ቁሪን ዝናብን ጥሜትን ለይቲ ለይቲ ጉዑዞን ኣብ ከተማ ባላ ኣቲና ።

ልኡክ “ብተጋዳላይ “ዘነበ ክፍለ ምክንያት ናብቲ ከባቢ ባላ መምፂኢና መበገሲ ብምግባር ኣብ ዝባን ዞብል ዛሎ ሓይሊ ፀላኢ ንትግራይ ንምውራር ናይ ማዓልትታት ክምዝተረፎ ብደንቢ ኣብረህልና ብምቅፃል ተጋ “ዘነበ ክፍለ ብፀጋምና 44 ኣሎ ብየማን ድማ 33 እና እንዳ 50 ኣሎ ብጥልቀት ንጎብየ ዝቆርፅ ናይ ወገን ሓይሊ ካብ 24 ቀፂሉ 22 ኣሎ ስለዚ ናይ ኣርምና ኣስላልፋ ድማ እቲ ኣብቲ ኣህባይ ዘይድይቦኦ ኣፃድፍ ዓሪዱ ዘሎ ሓይሊ ፀላኢ ኮር 3 ምስ እንዳ 50 ኮይነን ክሳብ ራማ ገብሪኤል ከፅድፈኦ እየን ። “ኮር 1 ድማ ካብ ኮር 3 ንፀጋም ኣሲራ ክሳብ ራማ ገብሪኤልን ካምፖታቱን የጥቅዕ ።

ኮር ክልተ ኣብ ረዘርቢ ኮይኑ ሚዛን ክልትኬን ኮራት እናተከታተለት ትቅፅል ካብ ኮር ክልተ ድማ #1ይ ኦቸለኒ “ረመፅ ኣሎ ቀፂለ ድማ ሰጋር ሳልሳይ ኦቸለኒ የውሃንስ ዝብል ዓብዪ ልኡክ #ብተጋዳላይ መንግስቱ ገብረተክለ ዋና ኣዛዚ ኮር ክልተ እውን እዚ ልኡክ ተዋሂብና እዩ፦

ናይ ፀላኢ ልኡኩ ግዚኡ ኣኪሉ ደብደባት ይጅምር ።

ስለዚ ናይ ወገን ዓፀፋዊ ምላሽ ክቅፅል ግድን ኮነ በዚ መሰረት ድማ ኩለን ኣሃዱታት ብዝተዋሃበን ልኡክ መሰረት ሰብ ኣይኮነን ነፋረት ትወፆ እያ ኢልካ ዝይግመት ከበድቲ ጎቦታትን ሓያል ጥሜት ማይ ፃምእን ተፃዊረን ብኩሉ ኣንፈት መጥቃዕቲ ጀሚረን እየን ። ብዝተሓሰቦን ብዝተዋሃቦ ግዜን ኮር3 ኮር1ን እንዳ 50ን ድማ እቲ ዝተዋሃበን ልኡክ ዛዚመን ክሳብ ራማ ገብሪኤል ንኮር ክለተ ኣርኪበን እየን።

ምጅማር መጥቃዕቴ ኮር ክልተ #ረመፅ ካብ ራማ ገብሪኤል ጀሚርና ናይባዕልና ልኡክን ፍሉጥ ቀጠናን ዝተዋሃበና ኮይኑ ብጥልቀት ተጥቅዕ ብፀጋም ሬጅመንት 3 ብፀጋም ሬጅመንት 2 ሬጅመንት 4 ድማ ኣብ ማእከል ሬጅመንት 5 ሸፋን ውሃቢት ሬጅመንት 1 ኣብ ኢድብምኳን ካብ ራማ ገብርኤል ሓያል ዝናብ ኣብ ዝባንና ኣፃሒና ምውግሑ ዝተጠራጠርናሉ ዕለት ሓሊፍና መጥቃዕቲ ይጅመር ።

“ኣብዚ ዓውደ ውግእዚ ንከባቢ 4 ካምቢ ምስ ክፍለ ሰራዊት ሰጋር ኮይና ተቆፃፂርና ኢና። ኣብዙይ ካብ ዝተረከቡ ቀለልተን ከበድቲ ተቶኳሲ ብንእሽተዩ 8ሞርታር,82 mm ገዛ ምሉእ ቁምብላ ሙሉእ ዕጥቂ ሓንቲ ኦራልን

ንቀፃሊ ኣንፈት ዝጠቅመና ናይ ፀላኢ ኣቋምን ብርክት

ዝበሉ ሓይሊ ሰብ ፀላእን ብምምራክ ውግእ ዞብል ተዛዚሙ …… ካልኣይ ክፍል ንክትከታተሉ ብክብሪ ንዕድም ።
“”ክብርን ሞጎስን ንጀጋነኑ ሰማእተታትና”
“ትግራይ ትመውእ በስተ መጨረሻ”

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *