ኣብ 2006 ዓ.ም ዝተጣየሽ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ 2008 ዓ.ም ድማ ሕጋዊ ስብነት ከምዝረኸበን ክሳብ ሐዚ ድማ ኣስታት 190 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዘቕረበ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ዶ/ር ዳኒኤል ተኽሉ ኣብሪሆም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋታት ሳይነስን ቴክኖሎጂን ኢሉ እውን ቋንቋታት መፅናዕትን ምርምርን ንምግባር እዩ ዝበሉ ዶ/ር ዳኒኤል ቋንቋ ትግርኛ፣ ግእዝ፣ ሳሆን ኩናማን ድማ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ቋንቋታት ትግራይ ምኻኖም ኣብሪሆም።
ክሳዕ ሐዚ ድማ 14 መፃሕፍቲ በቲ ኣካዳሚ ተሓቲሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ከም መወከሲ ኮይኖም የገልግሉ ከምዘልው ኣረዲኦም።
እቲ ኣካዳሚ ካብ ዝጣየሽ ክሳዕ ሐዚ ኣብ ዕቤት ባህልን ቋንቋ ትግራይ ኢሉ እውን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፅናዕ ብዙሓት ስራሕቲ እና ሰርሐ ከምዝመፀን ናይዚ መቐፀልታ ድማ ካብ 12 ክሳዕ 13 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ታሽዓይ ዓለም ለኸ መፅናዕትን ምርምርን ቋንቋታት ትግራይ ከሳልጥ ምኻኑ ዶ/ር ዳኒኤል ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን 21 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዝቐርቡን ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ምሁራት ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፎም ከምዘቕርቡ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብሪሆም።
