ኣካል ጉዳኣት ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ንካልኣይ ግዘ ንኣደባባይ ሰልፊ ወፂኦም። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ብሰእነት ምግቢ፡ ክዳን፡ መፅረዩ ናወቲ፡ ሕክምና ወዘተ ብምስኣን ናብ ኣደባባይ ምውፀኦም ዝዝከር እዩ። ኣብቲ ዝነበረ ሰልፊ ኣካል ፀጥታ መንብዒ ጋዝ ዝተጠቀመ እንትኮውን ብዙሕ ሰብ ዘቆጠዐ ተግባር ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣካለ ጉዳኣት ተጋደልቲ ” ይቅርታ” ብምሕታት እዚ ከምዘይድገም ገሊፆም ነይሮም። ብተወሳኪ ላዕለወት መራሕቲ ጀነራላት ከምዚ ዝበለ ፀገም ኣይፍጠርን ዝብል ቃል ኣስኒዖም ነይሮም። ብፍላይ ጀነራል ምግበ ሃይለ እቲ ሽግር እንተዘይተፈቲሑ ብስመይ ከትፅውዕኒ ምባሉ ይፍለጥ።
እምባኣር ከስ ቃል መራሕቲ ቃል ኮይኑ ግዲ ተሪፉ ጉዳኣት ተጋደልቲ ትግራይ “ጠሚና ዕኣሪቅና ” ክብሉ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ንካልኣይ ግዘ ድምፆም የስምዑ ኣለው።


ሳይቨር
