Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተጋደልቲ ናብ ኣደባባይ ወፂኦም

ጀጋኑ ኣካል ጉዳኣት  ኣባላት ሓይሊ ምክልካል ትግራይ ኣብ ከቢድ ናይ ናብራ ፀገም ከምዘለው ብዝሓት ተዓዘብቲ ዋላኳ እናገለጹ እንተጸንሑ  ፤ እቶም ኣባላት እንተኮነ ብተደጋጋሚ ሕቶታት ከቕርቡ ፀኒሖም እዮም።  ኣብ ባዕላዊ ሕትኩቱክ ዛኣተወ መሪሕነት ንሕቶታቶም ክምልስ ድልውነት ብዘይምራኣዩ ሎሚ 12 መጋቢት 2015 ዓ/ም ናብ ኣደባባይ ከተማ ኣብ መቐለን ከባቢ ኲሓ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ::

ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበፅሖም፡ ኣብ ሕክምና ዘለዉ ተጋደልቲ ትግራይ፡ ንነዊሕ እዋን ጠምዮምን ዓሪቖምን እንከለዉ፡ ተደጋጋሚ ሕቶታት ከቕርቡ ፀኒሖም እዮም። ንሕቶታቶም ክምልስ ድልውነት ኣየርኣየን። ስለ’ዚ ድማ፡ ናብ ኣደባባይ ወፂኦም ድምፆም ከስምዑ ተገዲዶም።

እቲ ሰልፊ ሰብ ከይርእዮ ግን፡ ካብ መቐለ ከባቢ እንዳስላሴ ናብ ኣንፈት ኲሓ ዝወስድ መንገዲ ‘ብሓይልታት ፀጥታ’ ተዓፅዩ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ!! ሓይልታት ፀጥታ ናብ ኣደባባይ ወፂኦም ድምፆም ኣብ ዘስምዑ  ኣካል ጉዳኣት ተጋደልቲ መንብዒ ትኪ ብምግባሮም ንቡዛሓት ተጋሩ ኣዚዩ ከምዘቆጠዐ ተሓቢሩ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *