ኣብ 2023 ኣብ ቡዳፔስት ንዝካየድ ሻምፒዮና ዓለም 10 ሽሕ ሜትሮ ንምስታፍ ዘኽእል መፃረይ ውድድር ዝተካየደ ኮይኑ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳፍ ፀጋይ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ በሪሁ ኣረጋዊ ናይዚ ዓመት ቕልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቶም ።
ትማሊ ምሸት ኣብ ስፔን ኔርጅ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ነቲ ርሕቐት 29.29.73 ብዝኾነ ናይዚ ዓመት ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ ኣላ ።
ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቐት ብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ መፃረይ ውድድር ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ 26.51.87 ብዝኾነ ሰዓት ነቲ ርሕቀት ብምዝዛም ናይዚ ዓመት ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ ኣሎ ።
