Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ !!

ሰላም!

ንመላእ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትነብር ተኸታሊ እምነት ክርስትና ህዝብናን ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ርሑስ በዓል ፋሲካ ክኾነልና ይምነ፣እንኳዕ ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና።

ርግፅ’ዩ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፣ ሳላ ሕብረትናን ንዘመናት ዝፀንሐ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልናን ከም ህዝቢ ኣዝዮም ፈተንቲ መድረኻት ሰጊርና ናብዚ ብርኪ’ዚ ክንበፅሕ ክኢልና ኢና።

ሕዚ እውን ብሕብረትናን ብሉፅ ናይ ምትሕግጋዝን ባህልናን ዘይሕለፍ ፀገም ከምዘይህሉ ተረድእና፣ ከም ቀደምና ሕብረትና፣ ስምረትናን ንሓድሕድና ናይ ምትሕግጋዝ ባህልናን ዝያዳ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ይላቦ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *