Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣቦ-ወንበር ውድብና ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምኽንያት 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ

  • ዝኸበርካ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፃይ ጌታቸው ረዳ ዝኸበርኩም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስትን ውድብን ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽን – እዚ ዕለት ኩልሻዕ ሰነ 15 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ጨፍጫፍ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓውዜን ዝበፅሐ ኣረመንያዊ ጨፍጫፍ ብፋሉይ ንዝክረሉ እዩ።ነዙይ ዕለት ክንዝክር ከለና ሕሉፋት ስወኣትና ኣብ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልስን ድሕሪኡን ኣብ ዝተፈላለየ ልኡኽ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ መኸተ ዝኸፈልናዮም ስወኣት ካብኡ ሓሊፋ ኣብዘን ክልተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሐ በደልን ኣረመንያዊ ጨፍጫፍን ፅንተትን ዝሃለቑ ብመንነቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኩሎም ተጋሩ ኣብ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝወደቑ እንዝክረሉ ፍሉይ መዓልቲ እዩ።
  • እዙይ መዓልቲ ከምዝኾነ መዓልቲ ኣይኮናን ንዝክሮ።ብዙሓት በዓላት ኣለውና እዩም።ብዙሓት ክዝኸሩ ዝግበኦም ነገራት ኣለው እዮም።እዚ ግን ምእንተ ትግራይ ምእንተ መሰል ረብሓን ምእንተ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ብዙሕ ዝተኸፈለሉ እዩ።ካብ ኩሎም መዓልታት ብፋሉይ እንሪኦን ንዝክሮን ከምቲ ሓወልትና ኣብ ርሑቕ ቦታ ኾይንካ ዝረአን ዝልለን እዙይ መዓልቲ እዙይ ውን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ መዓልቲ እዩ።እዙይ ግን ሕሉፍ ንምዝካር ጥራሕ ኣይኮናን ንቐፃሊ ኢልና ውን ኢና ነኽብሮ።እቶም ሕሉፋት ንምንታይ ንዝክሮም ? ሰብ ዕላማ ስለዝኾኑ ፅኑዓት ክለዝኾኑ ተፃዋርነት ስለዝነበሮም መስዋእቲ ኸፊሎም ለውጢ ስለዘምፅኡ እዩ።
  • ኣብዚ እዋን እዚ ውን ብኹሉ ገፅ ዝመፀና ወራር ጨፍጫፍ መኪቶም ኩሉ ህዝቢ ውን ደው ኢሉ ዝኽፈል ኸፊሉ ናብዛ ናይ ሰላም፤ ፍልይቲ መድረኽ ኹሉ ነገር ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘስገሩና ብዙሕ ታሪኽ ዝሰርሑሉ ስለዝኾነ እቲ ታሪኾም ኢና ንዝክር።ምእንተ ምንታይ ኢሎም እዮም ወዲቆም ኢልና ኢና ንዝክር ዘይተመልኡ ነገራት ውን ንክንምልእ እውን እዩ።ንሶም ዝወደቑሉን ዝተሰውኡሉን ቆፂርና ዘኪርና እተን ፅቡቕ ዝኸዳ ብፅቡቕ ተጠናኺረን ክኸዳ ክንሕልወን እተን ዝጎደላ ድማ ክንምልእ ኣብ መጨረሽኡ ክነብፅሕ ብተወሳኺ ውን ሓደሽቲ ነገራት ሒዝና ንቕድሚት ክንስጉም ምእንቲ እንዝክሮ እዩ።ብብዙሕ መንገዲ ውን ክንመሃረሉ ዝግባእ መዓልቲ እዩ።
  • ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ስግግር ኢና ዘለና ዝጀመርናዮ መኸተ ናብ ሰላም ሰጊሩ ኣሎ ። ናብ ዳግማይ ትንሳኤ ትግራይ ዘስግር ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ግን ድማ እዚ ምስ ኽንደይ ሽግራትን ፀበባን እዩ ። ሰላምና ሙሉእ ኣይኮነን ሰላም ዝሰኣኑ ተጋሩ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝሳቐዩ ሕዚ ውን ፅንተት ዝቐፀለሉ ኩነታት ኢና ዘለና። ሙሉእ ክኾነልና በቲ ዝገበርናዮ ስምምዕነት መሰረት እቶም ወረርቲ ክወፁ ዝግባእ ፃዕሪ ግዚያዊ ምምሕዳርና እናገበረ እዩ ዝርከብ ። ኩልና ውን ሓጊዝና እታ ዝገበርናያ ስምምዕነት ክትትግበር ምስ ፌደራል ተስማዕሚዕና ምስቶም ካልኦት ናይ ደገ ኣካላት ውን ተደጋጊፍና ህዝብና ሓራ ክወፅእ እቲ ተበቲኑ ዘሎ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ውን ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ኩነታት ክንፈጥር ሓደ ዓብይ ዕማም እንሰርሐሉ እዋን እዩ።
  • ዝደንጎየ እዩ ግን ድማ በቲ ዝጀመርናዮ መንገዲ ክዕወት ሰላምና ሙሉእ ክኸውን ህዝብና ተረጋጊዑ ናብ ንቡር ክምለስ ካልኦት ልኡኻትና ውን ክንፍፅም ኩልና ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ኣለና። ብዝለዓለ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝሰርሖ እንተኾነ ውን ኩልና ውድባት ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው ተጋሩ ተሓጋጊዝና ከምታ ኣብ መኸተ ከምታ ኣብ ውግእ ዝነበረት ሓድነት ጥራሕ እንተይኮነ ካብኡ ብዝለዓለ ሓጋጊዝና እናተሓናኸርካ እናተራጋሕኻ ዝመፅእ ዓወት ውን ክህሉ ኣይኽእልን።ይትረፍ ኣብ ኸምዚ ዓይነት ፀበባ ይትረፍ ኣብ ኸምዚ ዒይነት ኸቢድ ሽግር ዝተማለአ ሰላም ኣብ ዘለሉ እውን እናተራጋሕኻ ምኻድ ዘኽፍል ምዃኑ ውን ንፈልጥ ኢና።
  • እታ ሕዚ ዘለናላ ውን ካብታ ዝነበርናያ ዝቐለለት ተይኮነስ ዝኸበደት እያ።እታ ሓድነት ብዝበለፀ ክትሰጥም ክንተሓጋገዝ ክእረም ዝግበኦ ውን ብኣግባቡ ክንእርም እሂን ምሂን ክንብል ልዕሊ ኹሉ ግን ተሓጋጊዝና ኹልና ተጋሩ ክንሰርሕ ኣለና።ተዃሰሓይ ግዘ እዩ ናብ ድሕሪት ምምላስ ውን ከጋጥመና ይኽእል እዩ ከየጋጥመና ግን ክንረባረብ ኣለና።እዛ ሒዝናያ ዘለና ሰላም ውሕስና ዝህልዋ ሕዚ ውን ኢድንኢድ ተተሓሒዝና ተደጋጊፍና እንተሰጉምና ጥራሕ እዩ።ትሑዝ ጌርካ ምውሳድ ኣይከኣልን።ውሑስ ጌርካ ምውሳድ ኣይከኣልን።ውሑስን ትሑዝን ይኹን ካብኡ ንላዕሊ ክንገብሮ ንኽእል ተደጋጊፍና እዩ።ሰላም ብዝተወሰነ ስለዝተረኸበ ንየማን ፀጋም ንቕድሚት ንድሕሪት ምባል ተተጀሚሩ ፋሕ ክንብል ኢና ክንብተን ኢና ኣደዳ እቶም ከጥፍኡና ዝደልዩ ውን ክንኸውን ኢና።
  • ኣብ ፅንኩርን ከቢድን ኩነታት ኢና ዘለና እታ ዝጀመርናያ ክሳብ መጨረሻ ክንወስዳ ትግራይ ክትሓዊ ክትለምዕ ትግራይ እንዳ መስዋእቲ ጥራሕ እንተይኮነስ እንዳ ዓወትን ምዕባለን ክትኸውን ካልእ መማረፂ ውን የብልናን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ክንልወጥ ክንቕየር ከም ህዝቢ ክንኽበር ክንሰርሕ ክንቃለስ በዚ ዕለት እዚ ቃል ክንኣቱ ኣለና።
  • ዝኽሪ ንስወኣትና ! ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን ! የቐንየለይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *