👉 ኣብቲ ጉባኤ ዘይኣተወ ጉጅለ ተመዛበልቲ ምምላስ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ምምላስ፣ ወረርቲ ካብ ትግራይ ምውፃእን ቀዳማይ ዉራዩ ኣይነበረን።
👉ቅድም ኢሉ ካድረ፣ “ተኣጃጂልኩም ናብ ሓደጋ ክትኣትዉ ኢኹም። ዋላ ብዉሑድና ክንቃለስ ኣይትሸማገሉ። ሓቀኛ መስመር ሒዝና ንግጠም” ኢሉ ነይሩ እዩ። ከይዱ ከይዱ ግን ካብቲ ዝሰግእዎ ዉሽጣዊ ሓደጋ ኣይተረፍናን።… ምእንተ ሓድነት እናተብሃለ ብሽምግልናን ካልኦት ጉዳያት መኸተን ዘንጊዕና።
👉 እቲ ኣፈላላይ ናይ ስልጣን ከይኮነስ ናይ ዕላማን ኣሰላልፋን እዩ። ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ዝጎዪ ዘሎ ጉጅለ ምዃኑ ብተግባር ተራእዩ።
👉 ፅግዕተኛ ጉጅለ ከይዱ ከይዱ ናብ ጉባኤ ከይኣተወ ካብ ፍትሕን ፍርድን ጉባኤተኛ እዩ ሃዲሙ። ክሳብ መወዳእታ ጉባኤ “ንስምዓዮ” ኢልና ዋላ እንተነበርና ዝኣተወ ኣይነበረን።…
👉 ካብ መበል 13 ጀሚርና ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ዝነበረና ጉዕዞ እንትንግምግም እቲ ዝለዓለ ትኹረት ሂብና ዝገምገምናዮ ከይዲ መኸተ እዩ። እቲ ዘካየድናዮ ህዝባዊ መኸተ ንመስልናን ህላወናን ኢልና ዝገበርናዮ መኸተ ስለዝኾነ ግቡእ እዩ። ፃሕተርቲ ኩናት ከይኮነንናስ ጆኖሳይድ ክፍፅም ንዝመፅአ ሓይሊ ኢና ብመስዋእቲ መኪትና። ክሕተቱ ዝግብኦም እቶም ከጥፍኡና ዝተበገሱን ዝጨፍጨፉናን ልፍንታዊ ሓይልታት እዮም።
👉 መኸተ ህዝቢ ትግራይ ግቡእ ክብሪ ክወሃቦ ኣለዎ። ትግራዋይ ክናሳሕን ርእሱ ከድንን ዝስራሕ ዘሎ ወፍሪ ፀለመ ክእረም ኣለዎ። ነዚ ክብሪ ሓፍ ንምባል ኩላትና ክንቃለስ ኣለና።
👉 ስምምዕ ፕሪቶርያ ብመስዋእትናን ቃልስናን ዝመፀ እዩ። ፀላእቲ ዘየዋፅኦም ምዃኖም እዮም ተስማዕሚዖም።
👉 ድሕሪ ደምዳሚ ኣዋጅ ኣብ ዉሳነታት ጉባኤ ኣመልኪቱ ህዝባዊ ኣኼባ ከይካየድ ተኸልኪሉ።
👉ለካቲት 2015 ዓ/ም ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ኮንፈረንስ ዝተዉሃቦ ተልእኾ ነይርዎ እዩ። ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ፣ ዳግመ ህንፀትን ሕዉየትን ትግራይ ክጅመር፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ክፍፀምን ብጀኖሳይድ ዝሕተቱ ኣካላት ብመረዳእታ ተጠናኺሩ ክሕተቱን ባህጊ ፖለቲካ ትግራይ ክሰፍሕን እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ገምጊምናዮ። ከም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ፀጥታ ኣለና። ኮነ ተባሂሉ ሓይሊ መኸተ ተስፋ ክቆርፅን ክብተንን እዩ ተገይሩ። ብድምር ሰምምዕ ፕሪቶርያ በቲ ስምምዕ ኣይተፈፀመን። ካብ ኣዲስ ኣበባ እሺ እናበለ ዝመፅእ ሓይሊ እዩ ዝኒሀ። …
👉” ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይቕበል፣ ደላዪ ኩናት፣ ምስ ሸዓብያ ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ” ብዝብሉ ፀለመታት ብሰፊሑ ይስረሐሉ ኣሎ። ጉባኤ ምክያድ ከም ፅሕተራ ኩናት ተገይሩ ህዝቢ ክደናገር ተገይሩ፤ ግን ድማ ካባና ንላዕሊ ደላዪ ሰላም ዶ ኣሎ እዩ?
👉ትግራይ ትቑረስ እያ ዘላ። ነዚ ዝፈረ ምምሕዳር እዩ ዝኒሀና። ነዚ ገዲፉ ቲ ሸርት እናስረሐ ሆ በል ዝብል ዘሎ። …
👉 መፃረዪ ኮሚቴ ከይፈርስ ብማእኸላይ ኮሚቴ ወሲንና እንተለና ከይተፅሓፈ ተሪፉ። እዚ ምስተረዳእኹ ኣብ መወዳእታ ከም ዉድብ ኢና ደብዳቤ ፅሒፍና።
👉 በቲ ጉጅለ ሪፎርም ኢልካ ትካላዉነት ንምፍራስን ፖለቲካዊ ሕፅቦን ንምክያድ እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ኣብቲ ኣሰላልፋ ብግዕዝይና ዝጥርጠሩ፤ ኣብ መኸተ ዘድሐርሐሩን ካልኦት ፀረ ዉድብን ከባብያዉነት ዘለዎም እዮም። እዞም መንገዶም ዝሓዙ ኣካላት ዉድብ ህወሓት ኣይኮኑን። ዉድብ ህወሓት ሓደ እዩ።
ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ ወይን ዩቱብ ተፀበዩና።
www.youtube.com/woyennewspaper
