✍️ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ/ም ሰናይ ትምኒት ገሊፆም። 2017 ዓ/ም ምርግጋእ፣ ቅሳነትን ዳግማይ ሕውየት ዝካየደሉ ዓመት ክኮን እምነ ኢሎም።
✍️ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉዳይ ህዝብን ተመዛበልትን ንጎኒ ዝተሓደገሉ፣ ሕቶ ህልውና ህዝብና ኣብ ዘይተመለሰሉ ኩነታት ንርከብ። ስለዚ ኩሉ ነገር ብረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክምዘን ኣለዎ።
✍️ሰላምና ቕድሚ ኩሉ ነገር ክነውሕስ ቅድሚ 2013 ዓ/ም ኣትሒዝና ፃዕሪ ንገብር ነይርና። ፖለቲካዊ ፍልልይ ብዘተ ክፍታሕን ኲናት ንምትራፍን ፃዕሪ ተገይሩ ነይረ።
✍️ኲናት ምስ ተጀመረ እውን ከይዱ ከይዱ ኩሉ ነገር ብዘተ ከም ዝፍታሕ ብምሕባር ተኸታታሊ ፃዕሪታት ተገይሩ እዩ። ቅድሚ ውዕልፕሪቶርያ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ከም ናይ ኣሜሪካ፣ ቻይናን ካልኦትን ሰላም ከም ንደሊ ተላዚበ እየ።
✍️ኣብ ጅቡቲ ዝተገበረ ዘተ ተኲሲ ደው ምባል ንምክያድ ተሰማሚዕና ብወገና ጌታቸው ረዳ እንትፍርም ፊደራል መንግስቲ ክውደአና ስለዝደሊ ዝነበረ ኣይፈረመን። ድሕሪ እዞም ተደጋጋሚ ፈተናታት ውዕል ፕሪቶሪያ ተፈሪሙ።
✍️ውዕል ፕሪቶሪያ ብደም ዝተፈረመ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝፍረመሉ ሰዓት ከይተረፈ መስዋእቲ ይኽፈል ነይሩ።
✍️ውዕል ፕሪቶሪያ ንታሪኽ ክግደፍ ዝነበሮ እዩ። መሸቀጢ ፖለቲካ ክኾን ኣይግበኦን።
✍️ቤት ምኽሪ ኣብ ፕሪቶርያ እዩ ፈሪሱ። ኾይኑ ግና ደብረፅዮን ኣፍሪስዎ እዩ ተባሂሉ። … መንግስቲ ከፍርሱ ስልጣን ኣይተዋህቦምን። ኣነ እውን መንግስቲ ከፍርስ ኣይኽእልን። ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ እዩ።
✍️ሰራዊት ትግራይ ናይ ህወሓት ዕጡቕ ኣይኮነን። ኣብቲ ውዕል ግና ዕጡቋት ህወሓት ተባሂሉ ተፈሪሙ። ዕጥቁ ክሳም ምውራድ ዝኸድ ፊርማ ክፍረም ኣይነበሮን።
✍️ውዕል ፕሪቶሪያ ብሽም ህወሓት እዩ ተፈሪሙ። እቶም ልኡዃት ግና ኣባላት ህወሓት ጥራሕ ኣይነበሩን። እቲ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ትግራይ እዩ። እዚ ሪኢቶ ሂብናሉ ኢና። ሐዚ ሓቅታት ንምግላፅ እምበር ዝቕየር የለን። ንታሪኽ እዩ ክግደፍ ዘለዎ።
✍️ውዕል ፕሪቶርያ ነፍርሶ ግን ኣይበልናን። እቲ ሰላም የድልየና እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ብምቅላስ ክንፈትሖ እዩ ተወዲኡ።
✍️ውዕል ፕሪቶርያ ቤት ምኽሪ ትግራይ ተመያይጥሉ እዩ። ፀገማት ኣለዎ ግን ንህዝቢ ክሳብ ዝጠቅም ተቐቢልና ክንቃለስ እቲ ውዕል ኣፅዲቕዎ። ነዚ ዝኾና ኮሚቴታት ኣብ ዲያስፖራ ከይተረፈ ክጣየሻ እውን ተወሲኑ።
✍️በቲ ውዕል ዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ተማጒትና ኣማኻሪ ካውስል ኮይኑ ዋላ ይቐፅል ኢልና ኢና።
✍️ፖለቲካዊ ዘተ ክሳብ ሐዚ ኣይተጀመረን፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ተጣየሸ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክጅመር ዝነበሮ እዩ።
✍️ ኣብ ኣፈፃፅማ ዘሎ ሽግር ሓደ ጉዳይ ምምላስ ልኣላውነት እዩ። ኣብ ኣካይዳና ፀገም ስለዘሎ ኣመራርሓ ነዚ ኣጀንዳ እናገደፈ ስለዘሎ እዩ።
✍️ ፊደራል ዝመርሖ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣሎ። ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ከቀራርብ ዝተጣየሸ እናሃለወ ክሳብ ሪፈረንደም ክካየድ ዝውስን ኣካል ኮይኑ ኣሎ። ተቃውሞና ገሊፅና ኢና።
✍️ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ሓላፍነት ካብ ዝተዋሃብዎ ጉዳይ ሓደ፥ ኣብ ዝተፈፀመ ፅንተት ተሓታትነት ንምርግጋፅ ቃልሲ ከካየድ እዩ። ግን ድማ ዝገበሮ ምንቅስቓስ የለን። ብኣንፃሩ ካብ ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ ኣብ ቦራ፣ ማሕበረ ዴጎ፣ ደብረ ኣባይ፣ ፀድያ፣ ኣኽሱምን ካልእን ከቢድ ገበን ፅንተት ዝፈፀሙ ልዕሊ 400 ገበነኛታት ክልቀቑ ተገይሩ እዩ።
✍️ መኸተ ምንሻው፣ ንኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ምፅላም ብፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ከይተረፈ ይካየድ ኣሎ። ዓቕምታትና ይሕንሸሽ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደል ምፍፃም እዩ።
✍️ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ተሓዱጉ ከባቢያውነት ክዕብብ እናተሰርሐ እዩ። እቲ ኣካይዳ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።
✍️ኣመራርሓ ምልዓል ክሳብ ቤት ምኽሪ ጣብያ ዝወረደ እዩ። እዚ መስርሕ ዝጠሓሰ፣ ዘይዲሞክራስያዊ፣ ቀይዲ በተኽ ኣካይዲ እዩ።
✍️ኤርትራ ዝምልከት ጌታቸው ረዳ ስራሕ ፈፃሚ ብዝወሰኖ ተራኺቡ እዩ። ምስ ኩሉ ሰላም ክንፈጥር ካብ ዘለና ድሌት ዝተገበረ ኮይኑ ፊደራል መንግስቲ ከይተረፈ ዝፈልጦ እዩ፤ ጌጋ የብሉን። ምስ ሻዕብያ ኮይና ኲናት ክነካይድ ግን ኣይሓሰብናን።
✍️ውዕል ፕሪቶርያ ብምሉእ ብምሉእ ብዘይምፍፃሙ ትግራይ ካብ ኢድና ትወፅእ እያ ዘላ።
ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ ወይን ዩቱብ ተፀበዩና።
www.youtube.com/woyennewspaper
