➤ጉባኤ ከይካየድ ብዙሕ ተፈቲኑ እዩ። ጉባኤ ዘይምክያድ ውድብ ምፍራስ ማለት እዩ። ኣብ ኣፍደገ ጉባኤ ምስ በፃሕና ናብ ጉባኤ ኣይንኣቱን ኢሎም። እንተተኻይዱ ድማ ኹናት ከስዕብ እዩ ተባሂሉ።እታ ጉባኤ ክትካየድ ኣይትድለይን ነይራ።እዚ ድማ እቲ ጉባኤ ከይካየድ ይድለ ስለዝነበረ እዩ።እታ ጉባኤ ዓብይ ርብርብ እዩ ተገይሩላ።ተሳተፍቲ ውን ናብ ጉባኤ ከይመፁ ብዙሕ ርብርብ እዩ ተገይሩ።ካብ ዞባ ደቡብ መፂኦም ጉባኤ ዝተሳተፋ ኣባላት ውን ብናብረኦም ተቐፂዖም እዮም። እዚ ድማ ውድብ ንምፍራስ ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ እዩ።
➤ናይ ኣሰላልፋ ኣፈላላይ እዩ ዘለና ኢልና ኢና ገምጊምና።ሕሉፍ ናይ 6 ዓመት ፓለቲካዊ ስራሕትና ውን ገምጊምና ኢና።
➤ኣብቲ ጉባኤ፤ ተበቲኑ ዘሎ ህዝብና ናብ ቦትኡ ክምለስ ፣ መሬትና ክምለስ ፣ተሓታትነት ክረጋገፅ ፣ መፅናዕታት ብምግባር ድማ ኣብ ኢኮኖሚ ዝምድናታትን ካልኦትን ተጀሚሮም ዝነበሩ ስራሕቲ ክቅፅሉ ወሲንና ኢና።ብመሰረቱ ድማ ናይ ቃልሲ ወነ ዘለዎን ናይ ውድብ ክብርታት ዘቐፅል ሓድሽ ወለዶ ናብ ሓላፍነት ክመፅእ ተገይሩ እዩ። ውድብና ድሕሪ ጉባኤ እቲ ውድብ ንባዕሉ እናመዓራረየ እዩ ዝመፅእ ዘሎ።
➤እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ናይ ህወሓት ፣ ሰራዊት ፣ ሙሁራትን ተቃወምቲ ውድባትን ጥምረት እዩ። ግዘ ገደብ ውን ኣቐሚጥናሉ ኢና ነይርና። እታ ሰላም ዓቂብናያ ኢና ክነስፈሓ ግና ኣይከኣልናን።ህዝብና ናብ ቦትኡ ኣይተመለሰን።ሰብ ህፍትን ነጋዶን ናብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክኣትው ኣይከኣሉን።እተን ቐለልቲ ዝበሃላ ውን ኣይተፈፀማን። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ። እዚ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክመርሕ ብዘይምኽኣሉ እዩ።
➤ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ከይተማኸርካን ከይተዘራረብካን ተሰዲዶም። እዚ ተሓታትነት ከይህሉ ምግባር እዩ። እቶም ዝተሰደዱ ሙሩኻት ባዕሎም ምስክር ኮይኖም ዝኣመኑ እዮም ተሰዲዶም ዘለው።
➤ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ኣሎ።ህዝቢ ንብትታን ድማ ብኸባቢያውነት ይምፃእ ኣሎ። ሓድነትና ተተዘሪጉ ብኣውራጃውነት ኣይንድሕንን።
➤ናይ ህወሓት ብፅሒት ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ኢና ምምዕርራይ ንገብር ዘለና። ነፍርሶ ኣይበልናን። ሓላፍነት ስለዘለና ግዚያዊ ምምሕዳር ክፈርስ ኣይንደልን። ዕልዋ መንግስቲ ውን ኣይኮነን። ብፅሒትና ኢና ነመዓራሪ ዘለና።ኩሉ ኣብ ውሽጥና ይኹን ምስ ፌደራል መንግስቲ ውን ብዘተ ይፈታሕ ኢና ኢልና። ውልቀ ሰብ ትካል ክኸውን ግን ክፍቀደሉ ኣይብሉን። እዚኣ ግን ብሰላም እያ ክትኸውን ዘለዋ ኢና ኢልና። ምስ ኹሉ ብምርድዳእ እያ ትኸውን ዘለዋ ኢልና ንሰርሕ ኣለና።
➤ግዚያዊ ምምሕዳር ብቡቑዓት ሰባት ይመራሕ እተን ዝተውሃበኦ ልኡኻት ብኣግባቡ ይፈፀም። ድሓር ድማ ናብ መረፃ ንኺድ ኢና ንብል ዘለና። ናብ ሰሓቦ ጉተቶ ኣይንኣቱን። ሰላማዊ ፓለቲካዊ ቓልሲ ኢና ክንገብር። ብሓላፍነታዊ መንገዲ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ሕዚ ውድብ ኣብ ዓዲ ጥዕና እዩ ዘሎ። ዘይንወፆ ፀገም የለን። ሓድነትና ኣጠናኺርና ክንሰግሮ ኢና።
