ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ልዕሊ ሚእቲ ዝበጽሓሉ እዋን ተራእዩ ነይሩ።
ውድባት ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊበን ከም ብሄራውን ሃገራውን ውድባት ከምዝነጥፋ ይፍለጥ። በዚ መገዲ ተወዲበን ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሳ ሰልፊታት ብዙሓት እየን።
ብርግጽ ንሓንቲ ሃገር ‘ክንደይ ውድባት የድልያኣ?’ ንዝብል ሕቶ መልሲ ወይ መዐቀኒ ምሃብ ዝከኣል ኣይኰነን።
እንተዀነ ኣብ ኢትዮጵያ ቍጽሪ ውድባት ፖለቲካ ምብዛሑ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካታዒ ዛዕባ እዩ።
ከም መጠን ብዝሐን ግን ድልዱላት ኰይነን ኣክንዲ ነቲ ዝውክላኦ ህዝብን ሕብረተሰብን ድምጺ ዝዀና ኣለዋ እናተበሃላ ክዳኸማን ክጠፍአን ይረኣያ።
እተን ኣለዋ ዝበሃላ’ውን ተዳኺመን፤ ኣክንዲ ንህዝባዊ ኣጀንዳ ሒዘን ዝቃለሳ ነንሕድሕደን ዝቆራቘሳ ኰይነን ይርከባ።
ብፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ከይተረፈ ዝተመስረታ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኣባላትን ደገፍትን ድሕሪ ምፍራየን ፈርከሽከሽ ክብላን ክጠፍኣን ይረኣያ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ዘሎ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ውድባት ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከምዘይኰነ ብምግላጽ ብዙሕ ተስፋ ዝተገበረለን ውድባት ኣብ ደረጃ ምብትታንን ምጥፋእን ይበጽሓ ምህላወን የመልክቱ።
ኣብ ፖለቲካን ዝሓሸ መጻኢ ዕድልን ኢትዮጵያ ተስፋ ዝግበረለን ውድባት ዝዳኸማሉን ዝጠፍኣሉን ምኽንያት ድማ ብኣውራኡ ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ብሓደ ድምጺ ይዛረቡ።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ፡ ነታ ሃገር ዘመሓድር መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ዘሕድሮ ጸቕጢ ይጠቅስ።
“እቲ ገዛኢ ሰልፊ ከም ቦርድ መረጻ፡ ኣብያተ ፍርድን ትካላት ጸጥታን ዝኣመሰሉ ትካላት ብዝጥዕሞ መገዲ ገይሩ እዩ ዝውድብ።
ካብዚ ወጻኢ ድማ ዝድግፋኦ ‘ሳምሶናይት’ (ናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ውድባት) ከጣይሻ ይገብር” ዝብል እቲ ፕሮፌሰር እተን ከምዚ ዝበላ ውድባት ከኣ ካብ መንግስቲ ደገፍ ከምዝረኽባ ይዛረብ።
መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብቝዓት ክዀና ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ዲሞክራሲ ክዓስል ድልየት ይህልዎ’ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ዶክተር ራሄል፡ “እቲ ዝበሃልን ዝግበርን ዝሳነ ከምዘይኰነ” ትገልጽ።
እቲ ቀንዲ ኣካይዳ ፖለቲካዊ ውዲት ምዃኑ ብምምልካት፡ “ብፍላይ ንሃገር ደው ዝብሉ መራሕቲ ውድባት ይእሰሩ፡ ይቕተሉ ወይ ይጠፍኡ።
እቲ ቀንዲ መሳርሒ ድማ ውድባት ፖለቲካ ካብ ህዝቢ ክንጸላ ምግባር እዩ። ህዝቢ ከም መሳርሒኦም እዩ። ህዝቢ ድማ ብፍርሒን ብኔትዎርክ ሓደ ንሓሙሽተን ዝተኣሳሰረ ስለዝዀነ ‘ከምቲ ናቶም ዝበለ ዕጫ እዩ ዝበጽሓኒ’ እናበለ ስቕ ይብል። እዚ ድማ ዓቢ ጉድኣት እዩ” ትብል።
እንተዀነ እቲ ጸገም ካብ መንግስቲ ጥራይ ከምዘይብገስ ብምግላጽ፡ “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ብወገን ውድባት እውን ዘይምስምማዕ ኣሎ” ክትብል ትነቅፍ። በዚ ኵነታት ድማ ውድባት ብናይ ባዕለን ምድኻምን ምጥፋእን ተሓተትቲ ትገብረን።
ውድባት ፖለቲካ ኣብ ኣካይዳአን ኣብ ሓደ ጉዳይ ብሚዛናዊ ኣገባብ ተሰማሚዕካ ናይ ምውሳን ልምዲ ከምዘየለ ብምሕባር ድማ፡ “ኣክንዲ ምትእምማንን ጸገማት ንምፍታሕን ኣንጻራዊ ዝዀነ ጸቕጢ ናይ ምፍጣር ኣካይዳ እዩ ዝርአ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ብሰንኪ ዘሕድሮ ጸቕጢ ዝስዕብ ምድኻም፡ እተን ውድባት ብዝተበታተነ ኣገባብ ክኸዳ ምምራጸን እውን ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ንምምጻእ ከም ዘጸግመን ወሲኹ ይሕብር።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ ግን፡ ናብ ሓደ እንተተጠርነፋ እውን ነቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ንምውዳቕ እየን ዝሓስባ እምበር መራሕተን መንግስቲ ምስ ኰኑ ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ወይ ንመንግስትነት እንተዘይተዓዊቶም ብኸመይ ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ብዙሕ ከምዘይሓስቡ እዩ ዝገልጽ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ እየን ተቓወምቲ ሓይልታት ዝፈርሱ” ይብል።
ንኣብነት፡ “ኣብ 1997 ውድባት ግንባር ፈጢረን’ኳ እንተነበራ ብድሕሪኡ ግን ተበታቲነን። ሰልፊ መድረኽ ኣብ ክልተ ምርጫ ድሕሪ ምስታፉ ፈሪሱ።
ሕጂ’ውን ኢዜማ ዝተባህለ ውድብ ድሕሪ መረጻ ተበታቲኑ ኣሎ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ጸላኢ እምበር ናይ ሓባር ኣጀንዳ የብለንን። ብሰንኪ ግዳማውን ውሽጣውን ጸቕጢ እየን ዝበታተና” ክብል የረድእ።
ዓቕሚ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ንምሕያል ምውዳብን ሕብረት ምፍጣርን ከምዝግባእ ሓሳብ ዘቕርብ ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ፡ “ኣብዚ እዋን ግን ዝተበታተና ውድባት እየን ተፈጢረን ዘለዋ።
ገለ ካብተን ውድባት ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ብዝሒ ኣባላት ዘለወን እየን። ሓሳባተን’ውን እንተዀነ ናብ ካልእ ፓርቲ ክጥርነፍ ዝኽእል እዩ።
ብሓፈሻ ግን ሓሳብ ንዘለዎም ዓበይቲ ውድባት ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ኣካይዳ ቅድሚ ሎሚ ኣይነበረን ሎሚ’ውን የለን” ዝብል እምነት ኣለዎ።
እቲ መፍትሒ እንታይ እዩ?
ዋና ጸሓፊት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል ባፌ፡ ህዝቢ ከም ሃገር መፍትሒ ኣብ ምምጻእ ክመክር ይግባእ ትብል።
“ኣማራጺ ስለዘየለ ናብ ሃገራዊ ምምኽኻር ብምእታው ፖለቲካዊ ውድባት፡ መንግስትን ህዝብን ኣብ ሓባራዊ ፍታሕ ክበጽሑ ብምሕሳብ ይስራሕ እዩ ዘሎ።
ግን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ገዛኢ ውድብ ባዕሉ እዚ ነገር ናብ ባይታ ከይወርድ ክሰርሕ እዩ ዝርአ ዘሎ” ክትብል ትነቅፍ።
ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝብን ዝተኸፈለ ዋጋ ከፊሎም ናብቲ ዝሕሰብ ምብጻሕ ዘኽእል ኣካይዳ ብኣጋ ከምዘድሊ ብምግላጽ ድማ፡ “እቲ ኣብ ቅድመና ዘሎ ስራሕ ዋጋ ዘኽፍል እዩ’ሞ ብኡኡ ኣገባብ ኢና ክንከይድ ዘለና ኢለ እሓስብ” ክትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ ተዛሪባ።
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ እውን ከም መፍትሒ ክልተ ሓሳባት የልዕል። ውድባት ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ውዳበኦምን ፖሊሲታቶምን ባህሊ ዲሞክራሲ ከማዕብሉ ኣለዎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምቕጻል ሃገራዊ ሓበራዊ ምርድዳእ ክህሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኢትዮጵያዊ መን እዩ ኣብ ዝብል ክሰማምዑ ኣለዎም። ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ቦርድ መረጻ፡ ሓይልታት ጸጥታን ሓባራዊ ሕገ-መንግስትን ክህሉ ኣለዎ” ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።
ናይ ሓሳብን ለውጥን ውድባት እምበር፡ ‘ናይ ኣክቲቪስታት ስራሕ ዝሰርሓ ውድባት’ ክህልዋ ከምዘይብለን ዝገልጽ ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብወገኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ካልእ ዝዀነ ነገር ንምምንጣል ምጕያይ እምበር ተቐራሪብካ ምስራሕ፡ ምዝታይን ሂብካ ምቕባልን ብዙሕ ልሙድ ከምዘይኰነ ይዛረብ።
“እተን ዘለዋ ውድባት ብብዙሕ መዳይ ክራኸባ ዝኽእላ እየን። መብዛሕትአን ብዕላማአን ናብ ሓደ ክጥርነፋ ይኽእላ እየን። እዚ ግን ኣብ ብዙሓት ዝርአ ኣይኰነን። እናተራብሓ ዝሓድራ እምበር ናብ ሓደ ዝመጽኣ ሰልፊታት ኣይርእን ዘለኹ።
ስለዚ ውድባት ናብ ውህደትን ምቅርራብን ዝመርሕ መንገዲ ክኽተላ ይግባእ። በዚ ሕጂ ዝኸዳኦ ዘለዋ መንገዲ ግን ዓቕምን ሓይልን ዘለዎ ውድብ ክፈጥራ ዝኽእላ ኣይመስለንን” ክብል ይድምድም።
