ብቐዳም 5 ነሓሰ፡ ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ብዝተፈጥረ ዕግርግር ትሽዓተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ተፈሊጡ።
እቶም ሸሞንተ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ መጕዳእቲ ክበጽሖም እንከሎ፡ እቲ ሓደ ሰብ ግን ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ ከቢድ መጕዳእቲ ከምዘጋጠሞ ፖሊስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ እቶም ሸሞንተ ሰባት ብኸመይ ከምዝቘሰሉ ኣብ መግለጺኡ ኣየነጸረን። እንተዀነ፡ መሰካኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጐ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን እቲ ፈስቲቫል ከይካየድ ዝቃወሙ ዝነበሩን ብዝተላዕለ ዕግርግር ከምዝቘሰሉ ተፈሊጡ።
እቲ ዕግርግር፡ ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቓወሙ ሰባት ድሕሪ ምግጫዎም እዩ ኣጋጢሙ።
ፖሊስ እታ ከተማ ነቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ንምህዳእ ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ጫፍ እታ ከተማ ዝርከብ ኤርልስኮርት ፓርክ ገለ ጕጅለ ኣዋፊሩ።
ምሉእ መዓልቲ ግን ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ወጥሪ ቀጺሉ ውዒሉ።

- ኣብ ሽወደን ፈስቲቫል ኤርትራ ብዘጋጠመ ዕግርግር ልዕሊ 50 ሰባት ቆሲሎም4 ነሓሰ 2023
- ፌስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ብሪጣንያ ተሰሪዙ፡ ማሕበረኮም ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ15 ሓምለ 2023
- ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጊሰን ዕግርግር ዝፈጠሩ ኤርትራውያን 125 ገበናዊ ክስታት መስሪቱ10 ሓምለ 2023
