Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ራያ ጨርጨር ሕማም ኣልምሲ (ፖሊዮ) ብመልክዕ ለበዳ ክምዝተርኣየ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ራያ ጨርጨር ሕማም ኣልምሲ (ፖሊዮ) ብመልክዕ ለበዳ ክምዝተርኣየ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ዝነበረ ሕማም ኣልምሲ (ፖልዮ) ኣብ ፅባሕ ፅንተታዊ ኵናት ትግራይ ኣብ ራያ ጨርጨር ከምዘጋጠመ ዝሓበሩ መተሓባበሪ ጥዕና ሕብረተሰብን ምእላይ ሓደጋታትን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ መብራህቶም ሃፍተ ብለበዳ መልክዕ ከምዝተርኣየ ገሊፆም።

እቲ ሕዚ ተራእዩ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኣልምሲ ክታበት እናተቖራረፀ ምፅንሑ ዝፈጠሮ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም መተሓባበሪ ካብ 15 ሚያዝያ ክሳብ 20 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ወፍሪ ክታበት ከምዝሳለጥ ገሊፆም።

ሕማም ኣልምሲ (ፖልዮ) ዘስዕቦ ሓደጋ ከቢድ ብምዃኑ ሕ/ሰብ ደቁ ከክትብ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣይተ መብራህቶም ሃፍተ ንዕውትነት እቲ ክታበት ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ እውን ፀዊዖ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *