Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀለምቲ ኣብ ማእኸል መራብሒ ቀወምቲ ተኽሊ ቦረቔ ኣብ ክላስተር ማንጎ ሓደጋ ባልዕ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሄክታር መሬት ዘጋጠመ ሓደጋ ባልዕ ዝሐሸ ዓሌት ንዘለዎ ቀዋሚ ተኽሊ ማንጎ የጥቅዕ ምህላዉ ተፈሊጡ ‘ሎ።

ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ውህደት ዝርከብ ማእኸል መራብሒ ቀወምቲ ተኽሊ ቦረቔ ጠለብ ምሩፅ ዓሌት ቀወምቲ ተኽሊ ትግራይ ኣብ ምምላእ ልዑል ግደ ዝነበሮ ማእኸል እዩ።

ይኹን ‘ምበር እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ብምውዳቑ ካብቲ ማእኸል ዝርከብ ዝነበረ ረብሓ ክርከብ ኣይከኣለን።

ኣብ ልዕሊኡ ሰኣን ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ሓደገኛ ባልዕ ኣጋጢሙ ኣብ ልዕሊ ቀወምቲ ተኽሊ ማንጎ ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ኣማሓዳሪ ወረዳ ፀለምቲ ኣይተ ካሕሱ ኣባይ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሄክታር መሬት ኣብ ክላስተር ማንጎ ዘጋጠመ ባልዕ ብቕልጡፍ ምክልኻል እንተዘይተገይሩ ናብ ኻልኦት ቀወምቲ ተኽሊ ናይ ምግፋሕ ተኽእልኡ ዓብዪ ምዃኑ ኣይተ ካሕሱ ሓቢሮም።

ብምዃኑ ‘ውን ህዝብን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰብ ሞያን ክበፅሖም ንዝኽእል ፀገም እናተፃወሩ ቐፃልነት ዘለዎ ስራሕቲ ምክልኻልን ክትትልን ንክገብሩ ኣይተ ካሕሱ ፀዊዖም ክብል መሳርሕትና ኪዳነማርያም ብርሃነ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *