ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ልዕሊ 15ሽሕ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣዕቚቦም ኣብ ዝርከብሉ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ 2 ሰነ 2015 ዓ/ም ካብ ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ሓያል ንፋስ ሓዊሱ ዝዘነበ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብን መፅለሊ ተመዛበልትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ።
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓደ ሰብ ሽዑ ንሽዑ እንትመዉት ህፃናትን ኣረጋውያንን ዝበዝሑዎም ሸሞንተ ተመዛበልቲ ከቢድ፣13 ተመዛበልቲ ድማ ቀሊል ኣካላዊ መጉዳእቲ በፂሑዎም እዩ።
ልዕሊ 400 መፅለሊ ተመዛበልቲ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ፈሪሶም ተመዛበልቲ ንዝኸፍአ ኩነታት ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።
ግዳያትን ስድራ ግድያትን ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፤ የጋጥሞም ካብ ዘሎ ተደራራቢ ፀገም ንምንጋፍ እንኮ መፍትሒ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ምምላስ ጥራሕ ከምዝኾነ ብምሕባር ንዕዉትነቱ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ብተግባር ዝሽረፍ መፍትሒ ከናድዩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
