እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ናይ መስኖ ከባብታት ንከይኣቱ ሓረስቶትን ሰብ ሞያን ኣድላዪ ክትትል ንክገብሩ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ እታ ወረዳ ኣገንዚቡ ‘ሎ።
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቕድም ክብል ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ንዘራእትን ኣግራብን ዘጥቅዕ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ኦም ብዝተወደበ መልክዑ ብዝተገበረ ምርብራብ ምክልኻል ከምዝተኽኣለ ዝዝከር ኮይኑ ሐዚ ድማ ካብ ዕለት 26 ጥሪ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ሰለስተ ጣብያታት እታ ወረዳ ተራኢዩ ‘ሎ።
ብፍላይ ኣብ ጣብያ መንጠብጠብ ቑሸት ዓዲ ኣባይ ኣብ ልዕሊ 60 ሄክታር ኣብ ኣግራብ ጋባን ጎነቓትን ዝዓለበ ዕስለ ኣንበጣ ጉድኣት የብፅሕ ምህላዉ ሓላፊ ዘፈር ቑጠባ እታ ወረዳ ኣይተ ሕሉፍ ገ/ስላሰ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።
እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ጣብያታት ገጠር ዝባን ገደናን ኣደመይትን ‘ውን ተራእዩ ከምዘሎን ሽፋን ስፍሓቱን ንምንፃር ይስራሕ ምህላዉን ኣይተ ሕሉፍ ሓቢሮም።
ኣብ በቢከባቢኡ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓረስቶትን ከባቢኦም ካብቲ ሓደጋ ንምክልኻል መዓልታዊ ዳህሳስን ተፍትሽን ከካይዱ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ሓላፊ እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ናይ መስኖ ከባቢ ንከይኣቱ ኣድላዪ ክትትል ንክገብሩ ኣገንዚቦም።
እንተኣትዩ ድማ ከምቲ ልሙድ ብጨፍጫፍ፣እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብኬሚካል ምውጋድ ከምዘድሊ ኣይተ ሕሉፍ ተዛሪቦም ክብል መሳርሕትና ኪዳነማርያም ብርሃነ ፀብፂቡ።
