Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብተን 9 ወረዳታት ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከም ዘጋጠመ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ በብእዋኑ ናብ ሓደሽቲ ወረዳታትን ጣብያታትን እናተስፍሕፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝገለጹ ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሽሻይ መረሳ ዛጊድ ብዘሎ ምዕባለታት ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ 9 ወረዳታት እቲ ዞባ ኣብ 165 ሄክታር 60 ሚእታዊ ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ሓረስታይ ፣ ኣብ ልዕሊ በለስን ገልዕን ድማ 365 ሄክታር ከቢድ ሃሰያ ኣብጺሑ እዩ ኢሎም።

ኮይኑ ግና እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብተን ዛጊድ ዘይተርኣየለን ወረዳታትን ጣብያታትን ንከይስፋሕፋሕ ከም ዞባ ሰብ ሞያ ኣብ ምምዳብ ኮነ ዳህሳስ ኣብ ምክያድ ግቡእ ክትትል ይግበር ከም ዘሎ ዝገለጹ ኣይተ ሽሻይ መረሳ ጊዝያዊ ምምሕዳር እውን እንተኾነ ሓረስታይ ትግራይ ገጢሙዎ ዘሎ ጸገማት ብምግንዛብ 30 ሚልየን ቅርሺ ድጋፍ ገይሩ እዩ ኢሎም።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ዋላ ኳ ኣብቲ ፈለማ እዋን ገና ኣብ ክልል ዓፋር ምጭጫሕ ክጅምር እንተሎ ኬሚካል ነጺግካ ክጠፍእ እንተነበሮ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ቁሩብነት ስለ ዘይነበረ ናብ ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ ክስፋሕፋሕ ኪኢሉ እዩ ኢሎም ኣይተ ሽሻይ መረሳ።

ኮይኑ ግና ሳላ ዉዳበ ማሕበረሰብ ፣ ኣካላት ጸጥታን ሰብ ሞያን ብምትሕብባር ፣ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዝዓረፈሉ ከባቢ ብምስዓብ ብባህላዊ ኣገባብ ትኺ ብምትኻኽ ፣ ዝርብሽ ድምጺ ብምስማዕን ኣብ ዝዓረፈሉ ቦታ ብምጭፍጫፍን ፣ ናይ ምብራርን ምክልኻልን ስራሕቲ ይዕመሙ ከም ዘለው ኣይተ ሽሻይ ኣረጋጊጾም።

ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ጥሪቱ ዝተበልዓኦን ዝተጉሓላኦን ፣ ናውቲ ሕርሻኡ ዝተቓጸሎን ሓረስታይ ትግራይ ፣ ሐዚ እውን እንተኾነ ብተፎጥራኣዊ ብድሆታት ይሳቐ ብምህላው መንግስቲ ፌደራል ኮነ መድረግቲ ኣካላት ትኲረት ሂቦም ክሰርሕሉ ከም ዝግባእ ኣይተ ሽሻይ መረሳ ተላብዮም።

ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገጽ ብዓርሰ ሙርኮሳና እዩ ዝበሉ ኣይተ ሽሻይ ሰበ ሃፍቲ ኮኑ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ሕሉፋት ክልተ ዓማውቲ ኣብ መኸተ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ሐዚ እውን እንተኾነ ኣብ ጎኒ ሓረስታይ ትግራይ ዓሲሎም ኣብ መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ብጽሒቶም ክፍጽሙ ጸዊዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *