ሎሚ 25/11/2015 ካብ ሰዓት 2:15 ምሸት ኣቢሉ ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ሰለኽለኻ፣ ኣኽሱም፣ዓድዋ፣ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ሓውዜን ከባቢኡን፣ኣፅቢን መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይ ርዕደ መሬት ኣጋጢሙ ኣሎ።
እቲ ዘጋጠመ ሓያል ዝባሃል ርዕደ መሬት ኣብ ኤርትራ፣ ትግራይን ሱዳንን እዩ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ዝወፁ ዘለው ሓበሬታታት ዘመላኽቱ ዘለው።
እዚ ርዕደ መሬት ዋና መንቀሊኡ Epicenter ኣብ ከባቢ ወደብ ምፅዋዕ 43 ኪ/ሜትር ኮይኑ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ከቢድ ርዕደ መሬት ተሰሚዑ ኣሎ። ካብዚ ዝብገስ ድማ እቲ ርዕደት ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ዓድዋ፣ ውቕሮን መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ።

