Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት 55 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ዝገበረ 1.6 ቢልየን ቕርሺ ልቓሕ ከም ዝሃበት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣፍሊጣ።

እዙይ ዝተብሃለ ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ዝተጣየሽትሉ መበል 10ይ ዓመት ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ምሽብሻብ ከምዝተርከብ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝትወሃብሉ እዩ።

ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ 17ሰነ 2006 ዓ/ም ካብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ረኺባ ንዝተወደባን ዘይተወደባን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣገልግሎት ፋይናንስ ረኺበን ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፈን ዓርሰን ክኽእላ ምግባር ዕላማ ሒዛ ዝተጣየሸት ትካል ምኻና ዋና ፈፃሚ ስራ ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣይተ ክብረኣብ ኣሳየሀኝ ገሊፆም።

በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት 55 ሽሕ ደቂ ኣንሰትዮ ተጠቀምቲ ዝገበረ 1.6 ቢልየን ብር ልቓሕ ከምዝሃብት ኣይተ ክብረኣብ ኣሳየሀኝ ተዛሪቦም።

ካብቲ ልቓሕ ተጠቀምቲ፣ 89 ሚኣኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ድማ ተገሊጹ።

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ እንትምስረት 7 ጨንፈራት ሒዛ እንትኾን ሎሚ መበል 10 ይ ዓመት እንተኽብር 52 ጨንፈራት ከምዝወነነት ኣይተ ክብረኣብ ይገልጹ።

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ናይ ማሕበረሰብ ባህሊ ዕቓር ኣብ ምዕባይ ሩኡይ ግደ ኣበርኪታ እያ ዝበሉ ኣይተ ክብረኣብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 2.8 ቢልየን ብር ብዕቓር ኣቢሉ ኣብ ኢኮኖሚ ትግራይ ምንቅሰቓስ ከምዝገበረት ገሊፆም።

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተወለዐ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ሸውዓት ሚኢትን ሰማንያን ሚልየን ቅርሺ ኪሳራ ዝኣተወሉ ኩነታት ብመፅናዕቲ ምርግጋፁ ዘብርሁ እንትኾን 25 ጨንፈራት ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዘመታን ሓንቲ ሙሉእ ብሙሉእ ፣ ሓንቲ ጨንፈር ደማ ብኽፋል ከምዝተቓፀላ ገሊጾም።

መበል 10ይ ዓመት ምስረታ ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ካብ 16 ስነ ክሳብ 17 ሰነ 2016 ዓ/ም ኢግዝብሽን፣ኮንፈረንስ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ብድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ምውጋኖም ዋና ፈፃሚ ስራ ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣይተ ክብረኣብ ኣሳየሀኝ ዕላዊ ገይሮም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *