ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብጆኖሳይዳዊ ኲናት ሐዚ ድማ ብጥሜት ንክሃልቅ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ከምዝኾነ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽን ፌደራል ዘውፅኦ መግለፂ መረጋገፂ እዩ ዝበሉ ኣብ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ላዕለዋይ ቤተክህነት ትግራይ ዋና ፀሓፊ ብፁእ ኣቡነ ኣረጋዊ ን ኣብ ሃገረ ኣውስቲራሊያ ሃገረ ሰብከት ሊቀ ጳጳስ ብፁእ ኣቡነ ሰላማን ነቲ ባይታ መሰረት ዘይገበረ መግለፂ ድማ ብትሪ ኮኒኖሞ።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ሓደጋ ድርቅን ጥሜትን ንዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ፌደራል መንግስቲ ይኹን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ተወላድን ፈታዊን ህዝብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ብምግባር ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ህዝብና ነድሕኖ ክትብል መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶ ዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ፀዊዓ።
መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ነዚ ዝገለፀት ብ1 ነጥቢ 8 ሚሊየንን ብር ዝተሸመተ 464 ኩንታል እኽሊ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣቢያ ዓዲ ኣዝመራ ንዝርከቡ ልዕሊ 3000 እስትንፋስ እኽሊ ብሓገዝ ኣብ ዘበርከትሉ እዋን እዩ።
