ኣብዚ እዋን’ዚ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዝራእቲ ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ከም ዘሎ ይፈለጥ። ስለ ዝኾነ ካቢኔ ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዙይ መሰረት ብምግባር ትማሊ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ እቲ እዋኑ ዘይሓለወ ማይ ከብፅሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምክልኻል፣ ዝቅፅል ሰሙን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ ክልላዊ ወፍሪ ዓፂድ ክኸውን ወሲኑ ኣሎ ።
ስለዝኾነ ዘለና ኩሉ ዓይነት ኣማራፂ ማለት’ውን ጉልበትን ሓሳብን ብምውዳድ ሓረስታይና ዘጋጠሞ ፀገም ንምፍታሕ ክንረባረብን ምህርቲ ክእከብን ከም ዝግባእ ሙሉእ ምርድዳእ ብምግባር፣ እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ ።
- ኩሉ ናይ ዞባ ፣ ወረዳን ጣብያን ምምሕደር መሓውር መንግስቲ ቁልፊ መደቡ እዚ ምህርቲ ናይ ምእካብ ዋና ስርሑ ገይሩ ህዝቢ ኣታሓባቢሩ ናብ ዓፂድን ምህርቲ ምእካብን ከዋፍርን ክዋፈርን ነዚ ዘዐንቅፍ ስራሕ ከይግበርን
- ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ብዝምልክት ቅድም ክብል ቢሮ ትምህርቲ ካብ ዝወሰኖ ብተወሳኺ ፈፃሚ ሰራሕ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝቕፅል ሰኑይን ሰሉስን ካብ 7ይ ክፍሊ -12 ክፍሊ ትምህርቲ ጠጠው ኢሉ ደቂ ገባር ምስ ወለዶም ኣብ ዓፂድ ክዋፈሩን፤ ናይ ከተማ ዝኾኑ ድማ ተወዲቦም ኣብ ከባቢኦም ንዘለው ስድራ ስውኣት፣ ኣካለ ጉድኣትን ዓቅሚ ዘይብሎምን ወገናት ክሕግዙ ክግበርን፣
3- ብዋናነት ፀጥታ ሓይልና ከምኡውን ካልኦት ትካላትን ውልቀ ሰባትን ከምቲ ናይ ኩሉ ግዘ ሓረስታይና ንምድጋፍ ዛጊድ ትገብርዎ ዘለኹም ወፍሪ ዓፂድ ዘለና ልዑል ናእዳ እንዳገለፅና ኣብ ቀፃሊ ሰሙን እውን ኣጠናኺርኩም ክትቕፅልሉ ነተሓሳስብ ።
4- ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ መደብ ንምዕዋት ኩሉ ዘድሊ ድጋፍን ክትትልን ክገብር።
ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ዕለት 23/2/2017 ዓ.ም
ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !
