Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ማይ መገልታ ብሰንኪ ወራር ፀላእቲ ተንጠባጢቡ ዝነበረ ተቶኮስቲ እናተኣረየ ይዉገድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ::

ርኢቶኦም ንድምፂ ወያነ ትግራይ ዝገለፁ ነበርቲ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ማይ መገልታ ከባቢ ” እንዳ ገበል ” ከም ዝበልዎ ብሰንኪ ናይ ፅንተት ሓይሊታት ዘካየድዎ ወራር ኣብ ከባቢኦም ብርክት ዝበሉ ተቶኮስቲ ስለ ዝተንጠባጠቡ ኣብ ሂወትን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሖም እዮም ::
ዝሞቱን ዝቆሰሉን ሰባትን እንስሳን ከም ዘለዉ ኮይኖም ልዕሊ 50 ኣብይቲ ከም ዝፈራረሱን ናይ ዉሱናት ሓረስቶት ገርሁት እዉን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሓዲሩ ከም ዝነበረ ይዛረቡ::

ሐዚ ግና ሰራዊት ትግራይ ንስጋኣትና ዝቅንጥጥ ስራሕቲ ይዓምም ስለ ዘሎ ኣዚና ኢና ነመስግን ክብሉ ሓቢሮም::

ኣብቲ ከባቢ ዝተንጠባጠበ ተቶኳሲ እናኣረየት እቲ ከባቢ ዉሕስ ናይ እትገብር ዘላ ክፍሊ ህንደሳ ሰራዊት ትግራይ መተሓባበሪ ተጋዳላይ ኪዳነ ዘርኣይ ከም ዝበሎ ድማ እቶም ዝተንጠባጠቡ ተቶኮስቲ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ንምፅራይ መደብ ሒዝና እናሰራሕና ኢና ምስ በለ ዛጊድ ልዕሊ 4500 ዝተፈላለዩ ተቶኮስቲ ተኣርዮም ስለ ዘለዉ ኣብ ቀረባ እዋን ርኽክብ ንኣካላት ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ክነካይድ ኢና ክብል ኣፍሊጡ ::

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ኣይተ ሃፍቱ ብርሃነ ከም ዝበልዎ ከም ወረዳ ብሰንኪ ዝተበታተኑ ተቶኮስቲ 18 ወገናት ከም ዝሞቱን 30 ካልኦት ድማ ከም ዝቆሰሉን ኣብ ንብረት እዉን ከቢድ ኪሳራ ከም ዝበፅሐ ብምሕባር ሐዚ ግና ክፍሊ ህንደሳ ሰራዊት ትግራይ እቲ ከባቢ ክፀሪ ይሰርሑ ብምህላዎም ኣዚና ኢና ነመስግኖም ክብሉ ገለፆም::

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *