Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ወረዳ ጉለምኸዳ ብምትሕብባር ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ቅርሺ ዝግምቱ ናይ ኮንትሮባንድ ኣቁሑት ኣብ ቁፅፅር ዉዒሉ

ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ሃፍቶም ባራኺ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ወረዳ ጉለምኸዳ ዝበዝሕ ከባቢታቱ ምስ ሃገረ ኤርትራ ስለ ዝዳቦብ ምንቅስቃስ ፀላእቲ ንምክትታልን ናይ ኮንትሮባንድ ዝዉዉር ንምዕጋትን ምምሕዳሮም ህዝቢ በዓል ዋና ዝገበረ ሓለዋ ክሳዳት እናካየደ እዩ ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ ቅነ ካብ ትግራይ ክወፅእ ተዳልዩ ዝነበረ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ነዳዲ፣ ቡና፣ ዘይቲ ብልዒ ፣ ቆፎታት ተንቀሳቃሲ ስልኪ፣ ጌሾ በርበረ ፣ ናዉቲ ገዛ ዘመናዊ ድኹዕን፣ ካልኦትን ኣብ ቁፅፅር ከም ዝወዓለ ኣረዲኦም ።

መተሓባበሪ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቅ ትግራይ ኣይተ ኪዱ ገብረፃድቃን ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ከም ዞባ ምብራቅ ትግራይ ብመስመር ብዘት— ዳሞ ፣ ፋፂ — ዛላምበሳ ፣ ሰበያን— ደዉሃን — ዓይጋን ዝግበር ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁፅፃር ፀረ ኮንትሮባንድ ኮሚቴታት ተጣይሸን እናተንቀሳቀሳ እየን ኢሎም።

ናይዚ ዉፅኢት ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ቅርሺ ዝግምቱ ኣቁሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዝ ክኢሉ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ኪዱ ኣብ ምሓዝ እቶም ኣቁሑት ኮንትሮባንድ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ዘርኣይዎ ዉህደትን ዉፅኢትን ኣዝዩ ዝነኣድ ከም ዝኮነ ሓቢሮም ።

ብቐፃልነት እዉን ነዚ ኣጠናኺርና ንቅድሚት ክንወስዶ ኢና ዝበሉ ኣይተ ኪዱ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣካላት ድማ ነዚ ፈሊጦም ኣደብ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *