Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ወፍሪ ምእካብ ዝባፅሑ ዘራእቲ ይሳለጥ ኣሎ

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣይተ ኣስመላሽ ገብረስላሴ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ወፍሪ ዓፂድ ዝባፅሑ ዘራእቲ ኣብ 13 ጣብያታት እታ ወረዳ ካብ 7 ክሳብ 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ብወፍሪ እናተሳለጠ እዩ።

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ወፍሪ ስድራ ስዉኣት ቀዳምነት ተዋሂብዎም ክሕገዙ ቀፂሎም ድማ ኣረጋዉያንን ፀገም ጥዕና ዘለዎም ነበርቲ ተጠቀምቲ እናኾኑ እዮም ።

ኣብቲ ወፍሪ ኣብ ጣብያ ደብረፅዮን ክሳተፉ ዝረኸብናዮም ኣባላት ፀጥታን በቲ ሓገዝ ዝተደገፉ ስድራ ስዉኣትን ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ዘራእቲ ብሰዓቱ እንድሕር ዘይተኣኪቡ ኣምበጣ ይኹን ፀያቒ ማዕፂድ ማይ ከጋጥም ስለ ዝኽእል ዘራእቲ ብእዋኑ ንምእካብ ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቅፅል ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *