ኣብ ወረዳ ኢሮብ ብሰራዊት ኤርትራ ብግፍዒ ተቐቲሎም ኣብ ፎቖዶ ጎደናታት ዉሽጢ መረባ ገዛን ተቐቢሮም ዝነበሩ ወገናት አስካሬኖም ተላዒሉ ናብ ትካላት ሃይማኖት ክቕበሩ ከም ዝተገበረ ተሓቢሩ።
ከም ሓበሬታ ምምሕዳር እታ ወረዳ ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ንትግራይ ካብ ዝወሩ ሕዳር 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ብሰራዊት ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ከቢድ ግፍዕን በደልን ኣብፂሑን እናብፀሐን ይርከብ።
እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ጣብያ እንዳሞሳን ሓረዘን ጥራሕ ዝተሳለጠ እንትኾን ኣብ ትሕቲ እቲ ውራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ግና እዚ ምግባር ከም ዘይከኣል ተገሊፁ።

