ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ብፀላእትን ወረርቲ ሓይልታትን ዝዓነዋ ጥዕና ጣብያ ብገባሪ ሰናይ ዩኤንድፒ ብልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ኣብ ምፅጋን ከምዝርከብ ምምሕዳር እታ ወረዳ ገሊፁ።
ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣይተ ተኽላይ ተስፋይ ከምዝሓበርዎ ብሰንኪ ፀላእቲ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዓንየንን ናዉቲ ተወሪሩን እዩ። ኣብ ጣብያ ጉያ እትርከብ ጥዕና ጣብያ ብዩኤንድፒ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ብር 1ሚልዮንን 234 ሽሕን 913 ወፂኢ ብምግባር ክፅገን ብምኽኣሉ ብምምስጋን ካልኦት ዝዓነዋ ትካላት እዉን ፈተውቲ ዓድን ካልኦት ገበረቲ ሰናይን ትካላትን ደገፍ ክገብሩ ፀዊዖም።
መተሓባበሪ ክላስተር ጉያ ኣይተ ምሕረትአብ ፈረደ ብወገኖም ኣብቲ ጥዕና ጣብያ ከም ክላስተር ይኹን ከም ወረዳ ዓንየን ሕብረተሰብ ኣደደ ሕማምን ወለዳትን ህፃውንትን እውን ግቡእ ኣገልግሎት ኣብ ዘይረኽቡሉ በፂሑ እዩ። ሕዚ ግና በዚ ዝተገበረ ሙሉእ ፅገና ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ጅማሮ ከምዘሎ ገሊፆም።
ብገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ዝዓነዋ ጥዕና ጣብያ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ወንበር፣ ፍራሽ፣ ዓራትን ኮምፒተርን እንትኾን ንሰራሕተኛታት ብውሱን ዋላ ይኹን ክማላእ ጅማሮ ስለዘሎ እዙይ ውን ኣብ ስራሕቲ ምክልኻልን ምሕካምን ክነጥፉ ስለዝገብሮም ኣብርቲዖም ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም፤ ከም ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ቆላ ተምቤን።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
30 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

