Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ብሰንኪ ጥሜት ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ከም ዘይፈተና ተገሊፁ።

ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ትማሊ 24 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ምጅማሩ ይፍለጥ ዝበለ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሳሓርቲ፣ ኣብ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ግጀት ትማሊ ኩነታት ፈተና ተዘዋዊሩ ከም ዝተዓዘበን ብፅቡቕ ኩነታት ይካየድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ሳሓርቲ መ/ር በርሀ ገብሩ ኣብቲ ወረዳ ፈተና 8ይ ክፍሊ ብፅቡቕ ኩነታት ከም ዝተጀመረን ብብርኪ ወረዳ 16 ኣብያተ ትምህርቲ ከፈትና እናተገበአን 13 ጥራሕ ኣብ ምፍታን ከምዝርከባ ገሊፆም።

እተን ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ድርቅን ጥሜትን 8ይ ክፍሊ ከምዘየፈተና ብምግላፅ ገበርቲ ሰናይ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ከምኡ እውን ተወለድትን ፈተውትን ወረዳ ሳሓርቲ ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ሓገዞም ንከበርክቱ ፀዊዖም ኢሉ።

ኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ትግበራ ስርዓተ ትምህርቲ ወረዳ ስሓርቲ መ/ር ጎይተኦም ሓድጉ ብወገኖም፣ ብሰንኪ ጥሜት ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ከም ዘይፈተና ገሊፆም ምኽንያቱ ድማ ብርክት ዝበለ ተምሃሪ ብፍላይ ካብ 5ይ ክፍሊ ንላዕሊ ትምህርቲ እናቋረፀ ናብ ስደት ይኸድ ከምዘሎን ብፍላይ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ህፃን ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ዓፅያ ከም ዘላ ብምሕባር፣ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ዝካኣሎ ሓገዝ ብህፁፅ ንከበርክት ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *