Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያ ሓደ ኣልጋ ቁሸት ጫዶ ን295 ስድራ ተጠቃሚ ዝገብር ኳዕቲ ዓሙቕ ጉድጓድ ተዛዚሙብዕሊ ተመሪቑ።

ብሰንኪ ሕፅረት ማይ ዝራእቶም ኣብ መሬት ተዘሪኡ ይተርፉ ምህላዉ ዝተገንዘቡ ሓረስቶት ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያ ሓደ ኣልጋ 75 ገባራት ብማሕበር ተወዲቦም ንመስኖ ሕርሻ ዝኸውን ማይ ጉድጓድ ኣኹዒቶም ክምረቕ ገይሮም።

መንግስቲ ኣብዚ ከባቢ ክሰርሖ ዝግበኦም ነገራት ኣይሰርሐን፤ ደቂሱ እዩ ኔሩ፤ ሐዚ ግን ንክሰርሕ ኣንቂሕኹምዎ ኢኹም ዝበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዘይምስልቻው ቀትርን ለይትን ሰሪሕና ንስኹም ዘለኩም ንብረትኩም ሸይጥኹም ዘይብልኩም ድማ ተለቂሕኹም ኣብዚ ዘብፃሕኹምዎ ስራሕ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ናብ ልምዓት እትኣትውሉ ኩነታት ክፍጠር ክንገብር ኢና ኢሎም።

ኣብ ቐፃሊ ክንራኸብ ከለና ከምዚ ኣብ ፀሓይ ኮፍ ኢልና ከይኮነስ ኣብ ፅላል ኮይንና ፍራምረ እናተመገብና ክንዘራረብ እምነተይን ትምኒተይን እዩ ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፣ እዚ ንክኸውን ግን ትኹረትኹም ኣብ ኮሚደረን ሽንጉርትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀዋሚ ተኽሊ እውን እንትገብሩ እዩ ኢሎም።

መተሓባበሪ ህንፀት መስኖ ማይ ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋኣለም ገብሩ ብግደኦም፣ እዚ ስራሕ ንመንግስቲ እውን ንቕድሚት ዝወስድ ስራሕ እዩ ምስ በሉ፣ ቅድሚ ሐዚ ስርሐለይ ኣልመዐለይ ዝበሃል ዝነበረ ንስኹም ግን ዘለናዮ ኩነታት ተገንዚብኩም ፕሮጀክት ቐሪፅኩም ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ምብፃሕኹም ንኻልኦት ኣነታዊ ተግባር እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ሕዚ ቀረብ የብሉን ብሰንኪ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኩሎም ዝነበሩና መሰረተ ልምዓት ስለዝፈረሱ ምስ ገበርቲ ሰናይን ተወለድቲ ዓድን ብምዝርራብ ናብ ልምዓት እትኣትውሉ ኩነታት ክነመቻችው ኢና ኢሎም።

ሓላፊ ሓይሊ መብራት ሪጅን ሰሜን ኣይተ መስፍን ገ/መድህን ድማ ምስቲ ገጢሙ ዝነበረ ፀገም ከም ትግራይ ብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ምህላዎም ብምግላፅ እንተኾነ ክፍሊት እንተተወዲኡ ነዚ ፕሮጀከት ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ናብ ልምዓት ንክኣትዉ ከምዝግበር ሓቢሮም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም፣ ህዝብና ዘጋጠመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ንምምካት ኣብ ዝገበሮ ተጋድሎ ዓለም ዘስደመመ ጅግንነት ሰሪሑ እዩ። ሕዚ ድማ ካብ ኣርዑት ድኽነት ንምውፃእን ዘላቒ መፍትሒ ንምርካብን ደጊሙ ታሪኽ ንምስራሕ ፀዓርዓር ይብል ኣሎ ኢሎም።

ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ኣይተ በርሀ ወልዱ ብወገኖም እዚ ስራሕ ቅድሚ 7 ዓመት ከም ዝተጀመረን መዓት ሕልኽልኻት ሓሊፉ ናብዚ ዘሐጉስ ብርኪ ንክበፅሕ ምኽኣሉ ሑጉስ ምኻኖም ብምግላፅ ብወገን መንግስቲ ኣድላይ ዘበለ ደገፍ ንክግበረሎም ተላቢዮም ከም ፀብፃብ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ራያ ጨርጨር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *