Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ባሕሪ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ይግባእ ተባሂሉ

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ካብ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ብምውፃእ ብዛዕበ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ከምዝግባእ ሚኒትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ምርካባ ኣመልኪቶም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ፕሮግራም ዝተረኸቡ እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ በሪ ባሕሪ ብምጥቃም ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ትገብሮም ንግዲን ካልኦት ርክባትን ከምዝነበሩ ኣዘኻኺም፡፡

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዘጋጠሙ ፖለቲካዊ ፀገማት ኢትዮጵያ ካብ ማያዊ ኣካላት ንኽትርሕቕ ተገይሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ሶማሌ ላንድ ኣዚዩ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲን ብስለት ብዝተመልኦን ጥበብ ኣመራርሓ ናብ በሪ ባሕሪ ክንፅጋዕ ምኽኣልና ዓብዪ ኩርዓት ኢዩ ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵዊ ካብ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታታት ብምውፃእ ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *