Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ወረዳ ሓዉዜን ባልዕ ሓስኻ ባርኖስ ከምዝተርኣየ ተገሊፁ።

መተሓባበሪ ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት እታ ወረዳ ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ከም ዝበልዎ እቲ ባልዕ ሓስኻ ኣብ ጣብያ ደብረሰላም ከባቢ ዓዲ ዔሎ ኣብ ሰለስተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሄክታር ኣብ ዝሸፈነ ዘራእቲ ምሸላ እዩ 10 ሰነ 2015 ዓ/ም ተራእዩ ዘሎ ።

ነቲ ባልዕ ሓስኻ ንምክልኻል ነፀጋ ኬሚካልን ብባህላዊ መንገዲ ድማ ናይ ምእራይ ስራሕትን ይካየደሉ ሰለ ዘሎ ዝተጋነነ ጉድኣት ኣብቶም ዝራእቲ ኣየብፀሐን ክብሉ ገለፆም።

ከም ወረዳ ኣብ ኩለን ጣብያታት ተፍትሽ ብሰብ ሞያ ሕርሻን ሓረስቶትን እናካየድና ኢና ዝበሉ ኣይተ ብርሃነ ነበርቲ ዝኾነ ይኹን ባልዕ ሓስኻ እንትሪኡ ቀልጢፎም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ክህቡ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ፀዊዖም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልቲታት ከም ዞባ ምብራቕ ትግራይ ባልዕ ሓስኻ ባርኖስ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ንፈለማ ግዜ ዝተርኣየ ኮይኑ እቲ ባልዕ ሓስኻ ከይሰፍሕን ጉድኣት ከየብፅሕን ዘድሊ ስራሕቲ ምክልኻል ይግበረሉ ከም ዘሎ ድማ ዝፍለጥ እዩ ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *