Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ክልተ ጉጅለ ተመቂሉ ብክልተ ማህተም እናተሓመሰ ዝርከብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ፡ ብጉጅለ መሪሕ ኪዳነ ኣመነን ክብሮም በርሀን ካብ መረፃ ቦርድ ፍቃድ መተሓባበርነት ረኪበዮ ብዝበሎ መሰረት ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ስብሰባ ኣካይዱ

ኣብ ክልተ ተመቂሉ ብክልተ ማህተም እናተሓመሰ ዝርከብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ሎሚ ብ ኣይተ ኪዳነ ኣመነን ክብሮም በርሀን መሪሕነት ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ መተሓባበርቲ ምኳኖም ብዝገልፅ ደብዳቤ መሰረት ኣብ ቤት መዘጋጃ መቐለ ህዝባዊ ስብሰባ ኣካይድና ክብሉ ገሊጾም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣብ ቤት መዘጋጃ መቐለ ኣዳራሽ ብ ዕለት 19/11/2015 ከም ዝፈቀደ ዘፍለጠ ኮይኑ ብ ኣይተ ኪዳነ ኣመነን ክብሮም በርሀን መሪሕነት ዕለት 22/11/2015 ህዝባዊ ስብሰባ ኣብቲ ቤት መዘጋጃ ዝተካይደ እንትኮን ሰንበት 23/11/2015 ድማ ኣብ ከተማ ዓብዩ ዓድን ውቅሮን ህዝባዊ ስብሰባ ከም ዘካይድ ተገሊፁ ።

ብኣይተ ኪዳነን ኩብሮምን ዝምራሕ ጉጅለ ን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ካብ ኢትዮጵያ መረፃ ቦርድ “መተሓባበርቲ” ዝብል ደብዳቤ  ከም ዝረከበን ን ምሉእ ኣፍልጦ ዘድልዩ ነገራት ኣማሊኡ ጉባኤ ክገብር ፍቃድ ከም ዝተወሃቦን ይገልፅ።

ብቲ ሓድ ሽነክ ዘሎ ጉጅለ ድማ ናይ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ሕጋዊ ኣመራርሓ እየ ዝብል ኮይኑ ብ ዶ/ር ፀጋዛብ ካሕሱ ዝምራሕ እዩ። ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ወኪሎም ኣብ ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ካቢኔ ኮይኖ ዝሰርሑ ዘለው ኣመራርሓ ;ኣይተ ሞጎስ ገ/እግዚአብሔር -ማይ ሃፍቲ፣ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ሓላፊ ትራንስፖርትን መጓዓዝያን እንትኮኑ ዶ/ር ፀጋዛኣብ ይመርሖ እየ ብዝብሎ ውድብ ዝተመረትፁ እዮም። እዞም ኣባል ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ዝኮኑ ናይ ቢሮ ሓለፍቲ ኣብቲ ናይ ሎሚ ብኣይተ ኪዳነ ኣመነን ክብሮም በርሀን ዝተመርሐ ህዝባዊ ሰብሰባ ኣይተረከቡን።

እዚ ጉጅለ ” ንኣይተ ኪዳነ ኣመነ ካብ ኣቦ መንበርነት ኣውሪዱ ን ዶ/ር ፀጋዛብ ካሕሱ ን ኣቦ መንበር ብሕጋዊ መረፃ ተኪአ እየ ” ዝብል እዩ።

እንተኮነ እቲ ዝነበረ ከይዲ መረፃ ሕጋዊ ኣይኮነን ዝብል ተቃውሞ ካብ ቲም ኪዳነን ክብሮምን ክውዛዕ ምፅንሑ ይፍለጥ።

እቲ ብ  ምምሕዳር ከተማ ምቐለ፣ ውቅሮን ዓብዩ ዓድን ን ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ” ህዝባዊ ስብሰባ ” ክገብር ዝሃቦ ፍቃድ ብ ቲም ዶ/ፀጋዛብ ካሕሱ ተቋውሞ ዝገጠሞ እንትኮን ብስም ” ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ” ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ስብሰባ ውድቦም ኣፍልጦ ከም ዘየብሉ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ተስፋ ዘለዎም ውሱናት ተጋሩ እቲ ዝተፈጠረ ፍልልይ መሕዘኒ ምኳኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንትገልፁ “ባይቶና ንባዕሉ ሓደ ዘይኮነ ፀገም ትግራይ ከመይ ገይሩ ይፈትሕ ” ዝብል ርኢቶታት ብበዝሒ ይርከብዎ።

ብ ኣይተ ኪዳነ ኣመነን ክብሮም በርሀን ዝተመርሐ ስብሰባ ኣብ ቤተ መዘጋጃ መቐለ ብፎቶ፡

ብኒ ዶ/ር ፀጋዛብ ካሕሱ መሪሕ ዝወፀ መግለፂ

ብከተማ ምምሕዳር መቐለ፡ ውቕሮ ን ዓብይ ዓድን ዝተፈቀደ ህዝባዊ ስብሰባ

Cyber Power of Tigray

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *